ቁጠባ ኣውስትራልያ ድሕሪ 30 ዓመታት ምንቁልቋል ኣርእዩ

ኣውስትራልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቁጠባ ኣውስትራልያ ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመታት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንመጀመርታ ግዜ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ተገሊጹ።

ቁጠባዊ ዕብየት ናይታ ሃገር ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ ምስ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ብምንጽጻር ብ7 ሚእታዊት ምንቆልቋል ከምዘርኣየ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

እዚ መጠነ መንቁልቋል ቁጠባ ኣውስትራልያ ድሕሪ እቲ ኣብ 1959 ኣብ ክልተ ርብዒ ዓመታት ዘተራኣየ ናይ 0.3 ሚእታዊት ምንቆልቋል ቁጠባ እታ ሃገር፡ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝርአ ዘሎ።

ክኢላታት ቁጠባ፡ ሓንቲ ሃገር ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ርብዒ ዓመታት ቁጠባኣ ንድሕሪት እንተተመሊሱ፡ ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ምንቁልቋል ተራእዩ ኢሎም ከምዝገልጽዎ ይሕብሩ።

ኣብ 2008 ዓለማዊ ቁጠባዊ ቅልውላው ምስ ኣጋጠመ፡ ኣውስትራልያ ካብ ቻይና እኹል ጠለብ ትረክብ ስለዝነበረት፡ ካብ ሃፋትም ሃገራት እታ እንኮ ቁጠባኣ ምንቆልቋል ዘየርኣት ሃገር ኮይና ነይራ እያ።

ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተራኣየ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ተሃስዩ እዩ፡ ድሕሪኡ’ውን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዕጽዋታት ስለዝሰዓበ ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ምንቁልቋል ተቃሊዑ።

ኣውስትራልያ ካብ መፋርቅ 1990 ክሳብ መወዳእታ 1991’ውን ቁጠባዊ ዝሕታለ ኣርእያ ነይራ እያ።

እንተኾነ እዚ ሎሚ ዓመት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተረኣየ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ግን ዝኸፈአ ኮይኑ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ።

ኣውስትራልያ ዋላ ድኣ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ተመዝግብ ምስተን መዛኑኣ ሃገራት ብምንጽጻር ግን ኣብ ድሓን ኩነታት ኣላ’ያ ክትብሃል ትኽእል።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጠባ ኣሜሪካ ብ9.5 ሚእታዊት፡ ቁጠባ ዓበይ ብርጣንያ ብ20.4 ሚእታዊት፡ ቁጠባ ፈረንሳ ብ13.8 ሚእታዊት ከምኡ ድማ ቁጠባ ጃፓን ብ7.6 ሚእታዊት እዩ ምንቁልቋል ኣርእዩ ዘሎ።