ኣውስትራልያ፡ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ኣብ ምንካይ ቀዳማይቲ ክትኸውን እያ'

ምንጪ ስእሊ, CANCER COUNCIL AUSTRALIA
ኣውስትራልያ ብዕውት ምንካይ መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከምእትኽእል ተገሊፁ።
ተመራመርቲ ከምዝበልዎ ክታበትን መስርሕ ምርመራን ብግቡእ እንተቐፂሎም እቲ ሕማም ክንክይ እዩ።
ክሳብ 2022 ኣብ ዝህሉ ግዜ ድማ "ሓሓሊፉ ዝረኣይ ካንሰር" ብዝብል ክግለፅ ከምዝኽእል ግምቶም የቐምጡ። እዚ ዝኸውን ካብ 100,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ 6 ሰባት ጥራሕ ክርከብ እንተኺኢሉ እዩ።
ኣውስትራያ ኣብ 2007 ክታበት ቫይረስ 'ሁማን ፓፒሎማ' (HPV) ንደቂ ኣንስትዮ ብምትእትታው ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ክትኸውን ኪኢላ። ፀኒሑ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ'ውን ክወሃብ ጀሚሩ።
እዚ ከኣ ነቲ ብ 1991 ዝጀመረ መስርሕ ምርመራ ግዳያት መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ሓጋዚ ክኸውን ኪኢሉ።
መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን፡ ቫይረስ 'ሁማን ፓፒሎማ' (HPV) ብዝበሃል ቫይረስ ብፆታዊ ረኽቢ ካብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ሓደ እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ከጋጥምወን ካብ ዝኽእሉ ዓይነታት መንሽሮ ብራብዓይ ደረጃ ይስራዕ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ ከኣ ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሞት ከስዕብ ዝኽእል ዓይነት መንሽሮ እዩ።
ኣብ ኣወስትራልያ ዘጋጥም መጠን እዚ ሕማም ካብ 100,000 ኣብ ሸውዓተ ሰባት እዩ። ብደረጃ ዓለም ዘሎ ማእከላይ ገምጋም ግን ዳርጋ ክልተ ዕፅፊ ናይታ ሃገር ከምዝኾነ ይግለፅ።

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ኣብታ ሃገር ዘጋጥም መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ክሳብ 2035 ኣብ ዝህሉ ግዜ ካብ 100,000 ኣብ ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ ከምዝኸውን መፅናዕትታት ይሕበሩ።
ብርግፅ እቲ ሕማም ዝንክየሉን ብዙሕ ዘየጋጥም ክኸውንን ዝኽእለሉ ግዜ ብዝምልከት ውድብ ጥዕና ዓለም ዘነፀሮ ገደብ ግዜ የለን።
በዓል ሞያ መፅናዕቲ ዶክተር ሞርጋን ስሚዝ "ሕዚ ብዘሎ ትሑት መጠንን ፅንኩር ብዝኾነ ናይ ምኽልኻል ስራሕትናን ኣወስትራልያ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምኾነት" ክብሉ ንቢቢሲ ተዘሪቦም።
እታ ሃገር ነቲ ዝነበረ መስርሕ ምርመራ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ኣበርቲዓ ቀፂላትሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ ብሰንኪ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ካብ ዘጋጥም ሞት ካብ 10 እቲ ትሸዓተ ኣብተን ኣብ ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለወን ሃገራት የጋጥም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







