ኣውስትራልያ፡ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ኣብ ምንካይ ቀዳማይቲ ክትኸውን እያ'

ሳይንቲስታት ኣብ ምርምር

ምንጪ ስእሊ, CANCER COUNCIL AUSTRALIA

መግለጺ ስእሊ, ኣወስትራልያ ኣብ ምንካይ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ዕውት ውፅኢት እናተረኸቡ እዩ

ኣውስትራልያ ብዕውት ምንካይ መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከምእትኽእል ተገሊፁ።

ተመራመርቲ ከምዝበልዎ ክታበትን መስርሕ ምርመራን ብግቡእ እንተቐፂሎም እቲ ሕማም ክንክይ እዩ።

ክሳብ 2022 ኣብ ዝህሉ ግዜ ድማ "ሓሓሊፉ ዝረኣይ ካንሰር" ብዝብል ክግለፅ ከምዝኽእል ግምቶም የቐምጡ። እዚ ዝኸውን ካብ 100,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ 6 ሰባት ጥራሕ ክርከብ እንተኺኢሉ እዩ።

ኣውስትራያ ኣብ 2007 ክታበት ቫይረስ 'ሁማን ፓፒሎማ' (HPV) ንደቂ ኣንስትዮ ብምትእትታው ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ክትኸውን ኪኢላ። ፀኒሑ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ'ውን ክወሃብ ጀሚሩ።

እዚ ከኣ ነቲ ብ 1991 ዝጀመረ መስርሕ ምርመራ ግዳያት መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ሓጋዚ ክኸውን ኪኢሉ።

መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን፡ ቫይረስ 'ሁማን ፓፒሎማ' (HPV) ብዝበሃል ቫይረስ ብፆታዊ ረኽቢ ካብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ሓደ እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ከጋጥምወን ካብ ዝኽእሉ ዓይነታት መንሽሮ ብራብዓይ ደረጃ ይስራዕ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ ከኣ ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሞት ከስዕብ ዝኽእል ዓይነት መንሽሮ እዩ።

ኣብ ኣወስትራልያ ዘጋጥም መጠን እዚ ሕማም ካብ 100,000 ኣብ ሸውዓተ ሰባት እዩ። ብደረጃ ዓለም ዘሎ ማእከላይ ገምጋም ግን ዳርጋ ክልተ ዕፅፊ ናይታ ሃገር ከምዝኾነ ይግለፅ።

ቫይረስ 'ሁማን ፓፒሎማ' (HPV) ብማይክሮስኮፕ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

መግለጺ ስእሊ, ቫይረስ 'ሁማን ፓፒሎማ' (HPV) ብማይክሮስኮፕ ክረአ ከሎ

ኣብታ ሃገር ዘጋጥም መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ክሳብ 2035 ኣብ ዝህሉ ግዜ ካብ 100,000 ኣብ ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ ከምዝኸውን መፅናዕትታት ይሕበሩ።

ብርግፅ እቲ ሕማም ዝንክየሉን ብዙሕ ዘየጋጥም ክኸውንን ዝኽእለሉ ግዜ ብዝምልከት ውድብ ጥዕና ዓለም ዘነፀሮ ገደብ ግዜ የለን።

በዓል ሞያ መፅናዕቲ ዶክተር ሞርጋን ስሚዝ "ሕዚ ብዘሎ ትሑት መጠንን ፅንኩር ብዝኾነ ናይ ምኽልኻል ስራሕትናን ኣወስትራልያ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምኾነት" ክብሉ ንቢቢሲ ተዘሪቦም።

እታ ሃገር ነቲ ዝነበረ መስርሕ ምርመራ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ኣበርቲዓ ቀፂላትሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ ብሰንኪ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ካብ ዘጋጥም ሞት ካብ 10 እቲ ትሸዓተ ኣብተን ኣብ ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለወን ሃገራት የጋጥም።

line