ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ በረኻታተ ኣዉስትራልያ ብህይወት ዝተረኽበት ጓል ኣንስተይቲ

ጁሂ ሃን

ምንጪ ስእሊ, Queensland Police

መግለጺ ስእሊ, ጁሂ ሃን ስእሊ እናወሰደት ከላ'ያ ናብ ጸቢብ ስንጭሮ ዝጸደፈት

ናብ ጸቢብ ስንጭሮ (ሽንጥሮ) ድሕሪ ምዉዳቓ ክትድለይ ዝጸንሐት ኮርያዊት፡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት፡ ኣብ ምድረበዳታት ኣዉስትራልያ ብህይወት ተረኺባ።

ጓል 25 ዓመት ጆሂ ሃን እምባ ታየሶን እናሓኾረት ኢያ ናብ ጸቢብን ዓᎁቕን ስንጭሮ ዝጸደፈት።

ዋላ'ካ ዉንኣ ስሒታ እንተነበረት ጸኒሓ ግና ናብ ጥቓ መንጫዕጫዕታ ብምንፍሓዅ ንሽዱሽተ መዓልታት ብዘይ ዝኾነ መግቢ ጸኒሓ።

ኣብ በረኻ ብጽምኢ ክተሳቐ ከም ዝጸንሐት ፖሊስ'ቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሃን ቅድሚ ምጽዳፋ ናብ ጫፍ እቲ እምባ ደይባ ከም ዝነበረትን ገለ ስእልታት ክትወስድ ከም ዝኸኣለትን ተሓቢሩ።

በቲ ትገብሮ ዝነበረት ድምጺ ክትርከብ ዝኸኣለት ሃን፡ ካብቲ ዝነበረቶ ብገመድ ተሳሒባ ክሳብ ትወጽእ ዘጻንሓ መግቢ ከም ዘቐበልዋ ተሓቢሩ።

ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ዝናም፡ ሙቐታ ኣብ ምዕቃብን ኣብ ምድሓናን ዓቢይ ተራ ከም ዝነበሮ ፖሊስ ይሕብር።