ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ በረኻታተ ኣዉስትራልያ ብህይወት ዝተረኽበት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Queensland Police
ናብ ጸቢብ ስንጭሮ (ሽንጥሮ) ድሕሪ ምዉዳቓ ክትድለይ ዝጸንሐት ኮርያዊት፡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት፡ ኣብ ምድረበዳታት ኣዉስትራልያ ብህይወት ተረኺባ።
ጓል 25 ዓመት ጆሂ ሃን እምባ ታየሶን እናሓኾረት ኢያ ናብ ጸቢብን ዓᎁቕን ስንጭሮ ዝጸደፈት።
ዋላ'ካ ዉንኣ ስሒታ እንተነበረት ጸኒሓ ግና ናብ ጥቓ መንጫዕጫዕታ ብምንፍሓዅ ንሽዱሽተ መዓልታት ብዘይ ዝኾነ መግቢ ጸኒሓ።
ኣብ በረኻ ብጽምኢ ክተሳቐ ከም ዝጸንሐት ፖሊስ'ቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ሃን ቅድሚ ምጽዳፋ ናብ ጫፍ እቲ እምባ ደይባ ከም ዝነበረትን ገለ ስእልታት ክትወስድ ከም ዝኸኣለትን ተሓቢሩ።
በቲ ትገብሮ ዝነበረት ድምጺ ክትርከብ ዝኸኣለት ሃን፡ ካብቲ ዝነበረቶ ብገመድ ተሳሒባ ክሳብ ትወጽእ ዘጻንሓ መግቢ ከም ዘቐበልዋ ተሓቢሩ።
ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ዝናም፡ ሙቐታ ኣብ ምዕቃብን ኣብ ምድሓናን ዓቢይ ተራ ከም ዝነበሮ ፖሊስ ይሕብር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







