ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ 14 ሃገራት ዝመጽኡ ገያሾ ክቕበል ከምዝኽእል ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ዜጋታት ናይተን ካብ ኮሮናቫይረስ ድሓን እየን ዝበሃላ 14 ሃገራት፡ ካብ ሓደ ሓምለ ጀሚሩ ክቕበል ከምዝጅምር ገሊጹ።
ሃገራት ብራዚል ኣሜሪካን ቻይናን ኣብዚ ዝርዝር ኣይኣተዋን ኣለዎ።
ሃገራት ኣውስትራልያ፤ ካናዳ፤ ጃፖን፤ ሞሮኮን ደቡብ ኮርያን ካብተን ዜጋታተን ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ከኣትዉ ዝተፈቐዶም እየን።
ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ መንግስቲ ቻይና እኹል ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ክገብር ፍቃደኛ እንተኾይኑ፡ ዜጋታት ቻይና እውን ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክኣትዉ ክፍቀደሎም ከምዝእኽል ምግላጹ ተሓቢሩ ኣሎ።
ሃገራት ኣውሪጳዊ ሕብረት፡ ዜጋታት እቲ ሕብረት ካብን ናብን እተን ሃገራት ክንቀሳቀሱ ከምዘፍቀደ ብምጥቃስ፡ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ክሳብ 31 ታሕሳስ ስምምዓት ‘ብረክዚት’ ዝዛዘም፡ ልክዕ ከም ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ከምዝርኣዩን፡ ካብ'ዚ ተነቢሩ ዘሎ ግዝያዊ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ነጻ ምዃኖምን ተገሊጹ።
እተን ካብ ኮሮናቫይረስ ብተዛማዲ ድሓን እየን ተባሂለን ዜጋታተን ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክኣትዉ ተፈቒድሎም ዘሎ ሃገራት ኣልጀርያ፤ ኣውስትራልያ፤ ካናዳ፤ ጆርጅያ፤ ጃፓን፤ ሞንቴነግሮ፤ ኒውዝላንድ፤ ሩዋንዳ፤ ሰርብያ፤ ደቡብ ኮርያ፤ ታይላንድ፤ ቱኒዝያን ኡራጋይን እዮም።
ነዚ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጽአ ድንጋገ፡ እተን 65 ሚኢታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኣውሮጳ ዝውክላ ልዕሊ 55 ሚእታዊት ሃገራት እቲ ማሕበር ተቐቢለንኦ ፈሪመናሉ ኣለዋ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







