ርያን፡ ኣብ ጸቢብ ጉድጓድ ንኣርባዕተ መዓልታት ተቐርቂሩ ንትርግታ ልቢ ሞሮካውያን ብሓደ ዘስመረ ህጻን

ሞሮካውያን ንርያን ከድሕኑ ጎቡ'ዮም ኣፍሪሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ርያን ኦማር 1 ለካቲት ኣብ ከባቢ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ እዩ፡ ኣብ ጥቃ ኣቡኡ ኮይኑ እናተጻወተ እንከሎ ናብቲ ኣዝዩ ዓሙቕን ጸቢብን ማይ ዘይነበሮ 32 ሜትሮ ዕምቖት ዘለዎ ጉድጓድ ሸተት ኢሉ ኣትዩ።

ንዕኡ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዝነበረ መዓልታት ዝወሰደ ቅልስ ከኣ ሞሮካውያን ንመዓልታት ጸሎቶም ሓደ'ዩ ነይሩ ህጻን ርያን ካብቲ መንቀራቕሮ ብህይወት ክወጽእ።

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞሮኮ ብሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ ንመላእ ዓለም ብድንጋጸ ዝተኸታተሎ ክስተት እዩ ነይሩ።

ኣብቲ #SaveRayan ዝብል ናይ ትዊተር ጎስጓስ እታ ናይ ነዊሕ ዓመት መቐናቕንቲ ሞሮኮ ዝኾነት ኣልጀርያ'ያ ተጸንቢራቶ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

1px transparent line

ውሩይ ኣቕራቢ መደብ ቴለቪዥን ሞሮካዊ ራሺድ ኣላሊ እንከይተረፈ ስሩዕ መደባቱ ብምስራዝ ምስ ርያን ዘለዎ ምድንጋጽ ኣርእዩ።

ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ጥቃ ርያን ዝተቐርቐረሉ ጸቡብ ዒላ ብምዃን ነቶም ንርያን ንምድሓን ዝረባረቡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት የተባብዕዎም ነይሮም።

እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን'ውን ለይትን ቀትርን ብዘይ ዕርፍቲ ሰሪሖም።

ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ጥቃ ርያን ዝተቐርቐረሉ ጸቡብ ዒላ ብምዃን ነቶም ንርያን ንምድሓን ዝረባረቡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት የተባብዕዎም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ንርያን ንምድሓን ዝግበር ዝነበረ ስርሒት፡ እቲ ቦታ ከውሕን ሑጻ ዝበዝሖ ስለ ዝነበረ ምንሽርታት ናይ መሬት ንኸየጋጥም ብጥንቀቐ'ዩ ዝካየድ ነይሩ።

እቲ ንርያን ንምድሓን ዝግበር ዝነበረ ስርሒት፡ እቲ ቦታ ከውሕን ሑጻ ዝበዝሖ ስለዝነረ ምንሽርታት ናይ መሬት ንኸየጋጥም ብጥንቀቐ'ዩ ዝካየድ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ርያን ዝኣተዎ ጉድጓድ ኣብ ላዕሊ ስፍሓቱ 35 ሴንቲ ሜትር ጥራይ ስለ ዝነበረን እቲ ጉድጓድ ኣብ ታሕቲ እናጸበበ ስለ ዝኸደን ሰብ ኣእቲኻ ንምውጽኡ ዝተገበረ ፈተነ ክሰምር ኣይክኣለን።

ከም ኣማራጺ ኣብ ጎኒ እቲ ዒላ ብኣርባዕተ ከበድሪ ማሽነሪታት ተሓጊዞም ጉድጓድ ኩዒቶም 32 ሜትሮ ንታሕቲ ምስ ኣተዉ ንጋድም ካልእ ጉድጓድ ብምኹዓት ናብቲ ርያን ዝተቀርቐረሉ ጸቡብ ጉድጓድ ከም ዝእቶ'ዩ ተገይሩ።

ርያን ዝኣተዎ ጉድጓድ ኣብ ላዕሊ ስፍሓቱ 35 ሴንቲ ሜተር ጥራይ ስለዝነበረን እቲ ጉድጓድ ኣብ ታሕቲ እናጸበበ ስለዝኸደን ሰብ ኣእቲኻ ንምውጽኡ ዝተገበረ ፈተነ ክሰምር ስለዘይተኸኣለ፡ ከም ኣማራጺ ኣብ ጎኒ እቲ ዒላ ብኣርባዕተ ከበድሪ ማሽነሪታት ተሓጊዞም ጉድጓድ ኩዒቶም 32 ሜትሮ ንታሕቲ ምስ ኣተዉ ንጋድም ካልእ ጉድጓድ ብምኹዓት ናብቲ ርያን ዝተቀርቐረሉ ጸቡብ ጉድጓድ ከምዝእቶ'ዩ ተገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ሞንጎ እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓደ ዓሊ ሳህራዊ ዝተብሃለ ብወለንትኡ ኣብ ምኹዓት ዝተሓጋገዝ ዝነበረ ሰብኣይ ብዘይዕረፍቲ በቲ ዘለዎ ተምክሮ ብገረወኛ ገይሩ ንዓሰርተታት ሰዓታት ብዘይ ዕርፍረቲ ሰሪሑ፡ ብዙሓት ኸኣ ንተወፋይነቱ ኣድኒቖሞ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

1px transparent line

እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ሰሉስ ቀትሪ ናብቲ ጉድጓድ ዝኣተወ ህጻን ርያን ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ቀዳም ምሸት ናብቲ ዘለዎ በጺሖም።

ናብ ኣምቡላንስ ኣብጺሐሞ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ኮይኑን ብቴለቪዥንን ነቲ መስርሕ ዝከታተሎ ዝነበረ ሰብ ኸኣ ሓጎሱ ገሊጹ።

እንተኾነ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ቤት ጽሕፈት ንጉስ መሓመድ ናይ መሮኮ ህጻን ርያን ከም ዝዓረፈ ዝሕብር መግለጺ ወጺኡ።

እቲ ንጉስ ናብ ስድራ ርያን ብምድዋል ኸኣ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ሰሉስ ቀትሪ ናብቲ ጉድጓዝ ዝኣተወ ህጻን ርያን ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ቀዳም ምሸት ናብቲ ዘለዎ በጺሖም። ናብ ኣምቡላንስ ኣብጺሐሞ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ኮይኑን ብቴለቪዥንን ነቲ መስርሕ ዝከታተሎ ዝነበረ ሰብ ኸኣ ሓጎሱ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንስድራ ርያን ኣማኢክሎም ሓዘኖም ገሊጾም።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ርያን ትማሊ ኣብ መቦቆል ዓዱ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈጺሙ።

እቲ ዝኽሪ ግን ኣብ ልቢ ብዙሓት ብፍላይ ኸኣ ሞሮካውያን ንነዊሕ ክጸንሕ'ዩ።