እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ርያን፡ ኣብ ጸቢብ ጉድጓድ ንኣርባዕተ መዓልታት ተቐርቂሩ ንትርግታ ልቢ ሞሮካውያን ብሓደ ዘስመረ ህጻን
ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ርያን ኦማር 1 ለካቲት ኣብ ከባቢ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ እዩ፡ ኣብ ጥቃ ኣቡኡ ኮይኑ እናተጻወተ እንከሎ ናብቲ ኣዝዩ ዓሙቕን ጸቢብን ማይ ዘይነበሮ 32 ሜትሮ ዕምቖት ዘለዎ ጉድጓድ ሸተት ኢሉ ኣትዩ።
ንዕኡ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዝነበረ መዓልታት ዝወሰደ ቅልስ ከኣ ሞሮካውያን ንመዓልታት ጸሎቶም ሓደ'ዩ ነይሩ ህጻን ርያን ካብቲ መንቀራቕሮ ብህይወት ክወጽእ።
እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞሮኮ ብሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ ንመላእ ዓለም ብድንጋጸ ዝተኸታተሎ ክስተት እዩ ነይሩ።
ኣብቲ #SaveRayan ዝብል ናይ ትዊተር ጎስጓስ እታ ናይ ነዊሕ ዓመት መቐናቕንቲ ሞሮኮ ዝኾነት ኣልጀርያ'ያ ተጸንቢራቶ።
ውሩይ ኣቕራቢ መደብ ቴለቪዥን ሞሮካዊ ራሺድ ኣላሊ እንከይተረፈ ስሩዕ መደባቱ ብምስራዝ ምስ ርያን ዘለዎ ምድንጋጽ ኣርእዩ።
ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ጥቃ ርያን ዝተቐርቐረሉ ጸቡብ ዒላ ብምዃን ነቶም ንርያን ንምድሓን ዝረባረቡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት የተባብዕዎም ነይሮም።
እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን'ውን ለይትን ቀትርን ብዘይ ዕርፍቲ ሰሪሖም።
እቲ ንርያን ንምድሓን ዝግበር ዝነበረ ስርሒት፡ እቲ ቦታ ከውሕን ሑጻ ዝበዝሖ ስለ ዝነበረ ምንሽርታት ናይ መሬት ንኸየጋጥም ብጥንቀቐ'ዩ ዝካየድ ነይሩ።
ርያን ዝኣተዎ ጉድጓድ ኣብ ላዕሊ ስፍሓቱ 35 ሴንቲ ሜትር ጥራይ ስለ ዝነበረን እቲ ጉድጓድ ኣብ ታሕቲ እናጸበበ ስለ ዝኸደን ሰብ ኣእቲኻ ንምውጽኡ ዝተገበረ ፈተነ ክሰምር ኣይክኣለን።
ከም ኣማራጺ ኣብ ጎኒ እቲ ዒላ ብኣርባዕተ ከበድሪ ማሽነሪታት ተሓጊዞም ጉድጓድ ኩዒቶም 32 ሜትሮ ንታሕቲ ምስ ኣተዉ ንጋድም ካልእ ጉድጓድ ብምኹዓት ናብቲ ርያን ዝተቀርቐረሉ ጸቡብ ጉድጓድ ከም ዝእቶ'ዩ ተገይሩ።
ካብ ሞንጎ እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓደ ዓሊ ሳህራዊ ዝተብሃለ ብወለንትኡ ኣብ ምኹዓት ዝተሓጋገዝ ዝነበረ ሰብኣይ ብዘይዕረፍቲ በቲ ዘለዎ ተምክሮ ብገረወኛ ገይሩ ንዓሰርተታት ሰዓታት ብዘይ ዕርፍረቲ ሰሪሑ፡ ብዙሓት ኸኣ ንተወፋይነቱ ኣድኒቖሞ።
እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ሰሉስ ቀትሪ ናብቲ ጉድጓድ ዝኣተወ ህጻን ርያን ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ቀዳም ምሸት ናብቲ ዘለዎ በጺሖም።
ናብ ኣምቡላንስ ኣብጺሐሞ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ኮይኑን ብቴለቪዥንን ነቲ መስርሕ ዝከታተሎ ዝነበረ ሰብ ኸኣ ሓጎሱ ገሊጹ።
እንተኾነ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ቤት ጽሕፈት ንጉስ መሓመድ ናይ መሮኮ ህጻን ርያን ከም ዝዓረፈ ዝሕብር መግለጺ ወጺኡ።
እቲ ንጉስ ናብ ስድራ ርያን ብምድዋል ኸኣ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንስድራ ርያን ኣማኢክሎም ሓዘኖም ገሊጾም።
ስነ ስርዓት ቀብሪ ርያን ትማሊ ኣብ መቦቆል ዓዱ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈጺሙ።
እቲ ዝኽሪ ግን ኣብ ልቢ ብዙሓት ብፍላይ ኸኣ ሞሮካውያን ንነዊሕ ክጸንሕ'ዩ።