ርያን፡ ዘሕዝን ፍጻመ እቲ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ዝቐነየ ሞሮካዊ ህጻን

ወለዲ ንርያን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ ዓᎁቕን ጸቢብን ማይ ዘይነበሮ ዒላ ኣትዩ ዝቐነየ ወዲ 5 ዓመት ሞሮካዊ ብህይወት ንምትራፍ ዝተገረበረ ጻዕሪ አይሰመረን፡፡

እቲ ህጻን ድሕሪ ከቢድ ርብርብ ትማሊ ምሸት ምስወጸ እዩ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ቤት ጽሕፈት ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ዘፍለጠ፡፡

እቲ ርያን ዝተባህለ ህጻን ንምውጻእ ዝተገበረ ጻዕሪ ንህዝቢ እታ ሃገር ኣዝዩ ኣጨናቒ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጥቓ እቲ ጉድጓድ ኮይኖም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ብመርበብ ሓበሬታ ይከታልዎ ነይሮም፡፡

ርያን በጸቢብ ኣፍ እቲ ጉድጓድ ሰሊኹ እዩ ናብቲ 32 ሜትር ቁመት ዘለዎ ዒላ ኣትዩ፡፡ እቲ ናይ ምውጻእ ምንቅስቓስ ብሰንኪ ስግኣት ምህማም መሬት ተቛሪጹ ነይሩ፡፡

ትማሊ ምሸት ግና ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ካብቲ ጉድጓድ ከውጽእዎ ክኢሎም፡፡

ኣብቲ እዋን ኩነታት እቲ ህጻን ዝምልከት መግለጺ ኣይተውሃበን፤ ብዙሓት ሰባት ግና ታሕጓሶም ይገልጹ ነይሮም፡፡

በፍላይ ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ‘#ሴቭርያን’ ዝብል ሃሽታግ ብምኽፋት ክጉስጉሱ ዝቐነዩ ዜጋታት እታ ሃገርን ወጻእን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ሓጎሶም ክገልጹ ኣምስዮም፡፡

ኮይኑ ግና ድሕሪ ደቓይቕ ርያን ከምዝዓረፈ ዝገልጽ ልቢ ዝሰብር ዜና ተሰሚዑ፡፡

ተጠቀምቲ ትዊተር በቲ ዝጀመርዎ ሃሽታግ ኣቢሎም ሓዘኖም ክገልጹ ኣምስዮም፡፡

ካብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ድማ ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ብሞት እቲ ህጻን ኣዝዩ ከምዝሓዘነን ንስድርኡ ስልኪ ደዊሉ ከምዘጸናነዖምን ይሕብር፡፡

ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ሰሉስ መዓልቲ፡ ኣቡኡ ንርያን ኣብቲ ጉድጓድ ናይ ጽገና ስራሕቲ ይሰርሕ ነይሩ፡፡

‘‘ናብ ካልእ ቆላሕ ኣብ ዝበልኩላ ቅጽበት ጸዲፉ’’ ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ፡፡

ብሓሙስ ካብቲ እቲ ህጻን ዝነበረሉ ጉድጓድ ዝተረኸበ ምስሊ ብህይወትን ንቕሓትን ምንባሩ የመልክት፤ ድሕሪኡ ግና ብዛዕባ ኩነታቱ ዝተባህለ ነገር ኣይነበረን፡፡

ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ኦክስጅን፣ ምግብን ማይን ናብቲ ህጻን ከብጽሑሉ ይፍትኑ ነይሮም፤ እቲ ህጻን ተጠቒሙዎም እንተኾይኑ ግን ኣይተፈለጠን፡፡

እቲ ዒላ ዝተኹዓተሉ መሬት፡ ሕዋስ ከውሕን ሓሸዋን ምዃኑ ነቲ ጉድጓድ ክገፍሕ ምግባር ሓደገኛ ከምዝገበሮ እቶም ሰራሕተኛታት ገሊጾም ነይሮም፡፡ ነዚ ድማ ፈሓርቲ ተጠቒሞም ኣብ ጎኒ እቲ ዒላ ካልእ ገፊሕ ጉድጓድ ኩዒቶም፡፡ ብድሕሪኡ ካብቲ ሓድሽ ጉድጓድ ናብቲ እቲ ህጻን ዝነበረሉ ዒላ ንጎኒ ፍሒሮም ኣትዮም፡፡

መሬት ከይሃምም ብዝነበረ ስግኣት ብተደጋጋሚ፡ ንዝተወሰነ እዋናት፡ ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ደው ይብል ነይሩ፡፡

ነቲ ከይዲ ዝዕዘቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ኮይኖም ሃይማኖታዊ መዝሙራት ይዝምሩን ይጽልዩን ቀኒዮም፤ ገሊኦም እውን ኣብቲ ከባቢ ይሓድሩ ነይሮም፡፡