ኣፍጋኒስታን፡ ብክልተ ጥይት ተወጊኣ ዝደሓነት ህጻን

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ዕጡቓት ንሓደ ናይ ሕርሲ ሕክምና ኣጥቂዖም ነይሮም።
በቲ መጥቃዕቲ ድማ፡ 16 ሓራሳት ኣዴታት ዝርከበኦም፡ ዕሸላትን ሰብሞያ ጥዕናን ሓዊሱ፡ 24 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
'ተኣምር' ብዝመስል ኩነታት ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ድማ ኣለዉ። ኣሚና ሓንቲ ካብኦም እያ።
ኣሚና፡ ካብ እትውለድ ገና ሰዓታት ምስ ኣቑጸረት እዩ እቲ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ።
ብክልተ ጥይት ድማ እግራ ተወቒዓ። ብጥይት ተወቒዓ ምድሓና ዝረኣዩ ሓካይም "ዕድለኛ ቆልዓ" ኢሎምዋ።
እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከሎ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኣቦ ናይታ ህጻን፡ ነቲ ኹነታት ብኸምዚ ይገልጾ።
"ናብ ውሽጢ ምስኣተኹ፡ ሰባት ኣብ ባይታ ወዲቖም ርእየ። ናብ ሰበይተይ ደዊለላ 'ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ድዩ?' ኢላ ሓቲታትኒ። ክትስምብድ ኣይደለኽዋን። ቦምቢ ኣይኮነን፡ ኣብ ደገ ተኹሲ ኣሎ። ተሓብኢ ኢለያ"።
ኣደ ኣሚና ግን ኣይደሓነትን። ኣብ ልባን እግራን ብጥይት ተወቒዓ ከም ዝሞተት በዓል ቤታ ይዛረብ።
ኣሚና ኣብ እግራ መጥባሕቲ ተገይሩላ ደሓን እያ ዘላ።
ሓካይም፡ ዕብይ ምስበለት ብእግራ ክትከይድ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ኣለዎም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







