ንህንዳዊት ህጻን ዕድል ትምህርቲ ዝፈጠረትላ ኣዘራራቢት ስእሊ፡ ብኸመይ?

ኣዘራራቢት ስእሊ ህንዳዊት ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Eenadu newspaper/A Srinivas

መግለጺ ስእሊ, እዛ ስእሊ ነታ ህጻን ዕድል ትምህርቲ'ኳ እንተፈጠረትላ ንማሕበረሰብ ግን ኣቖጢዓ እያ

ህንዳዊት ጓል 5 ዓመት ህጻን ኣብ ኣፍደገ መምሃሪ ክፍሊ ተቐልቂላ ናብ ውሽጢ እናማዕደወት እተርእይ ስእሊ ህዝባዊ ቁጠዐ ኣኸቲላ'ያ። ነታ ህጻን ድማ ዕድል ትምህርቲ ፈጢራትላ።

እታ ስእሊ ግን ስለምታይ ነቲ ምሉእ ዛንታ (ሓቂ) ዘየቃልዐት?

ዲቪያ ኣብ ህንዲ ድኻታታት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ትነብር ህጻን'ያ። ድስቲ ሒዛ ኣብ ኣፍደገ መምሃሪ ክፍሊ ሓደ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ደው ኢላ እተርእይ ስእላ ግን ብደረጃ ዓለም ክትፍለጥ ኣኽኢላታ።

እታ ስእሊ ብ 7 ሕዳር ኣ.ኣ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ምስተሓተመት፡ "ቀውታ ጥምየት" ዝብል ጽሑፋዊ መግለጺ ተገይሩላ ነይሩ።

ሽዑ ድማ ቀልቢ ብዙሓት ስሒባ። ተጣበቕቲ መሰል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ነታ ስእሊ ተቐባቢሎም ዘርጊሖምዋ።

መግብን ዕድል ትምህርትን ዘይተወሃባ ህጻን ከምዘላ ዝሕብር መልእኽቲ ድማ ኣሕሊፎም።

በዚ ምኽንያት፡ ዲቪያ፡ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ።

ብስራሕ ጽርየት ስድርኡ ዘመሓድር ኣቡኣ ሉሻክማን ግን፡ እታ ስእልን ኣብ ህዝቢ ዝፈጠረቶ ቁጠዐን፡ ንዕኡ ኮነ ንበዓልቲ ቤቱ ያሾዳ ፍትሓዊ ከምዘይነበረ ይገልጽ።

ጓል 5 ዓመት ዲቪያ ኣብ ውሽጢ መምሃሪ ክፍሊ

"ነታ ስእሊ ምስረኣኹ ሓዚነ፤ ስድርኣ ብህይወት ኣለና። ዝሓሸ ዕድል ንኽህልዋ ከኣ ብዝከኣል ዓቕሚ ንጽዕር ኣለና። እቲ መልእኽቲ ግን ልክዕ ወለዲ ዘይብላ ዝጠመየት ህጻን መሲሉ'ዩ ሓሊፉ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጓሉ ሽድሽተ ዓመት ምስመልኣ ናብቲ ካልኦት ክልተ ደቁ ዝመሃራሉ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ከእትዋ ይሓስብ ምንባሩ'ውን ገሊጹ።

ዲቪያን ስድርኣን ኣብ ሓንቲ ጸባብ ገዛ ይነብሩ። እቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ድማ ሻውል (ድኻታት ዝነብሩሉ ቦታ) እዩ።

ዲቪያ ምስ ወላዲ ኣቡኣ

ካብቲ ንሳ ስእሊ ዝተስኣለትሉ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ከኣ ከባቢ 100 ሜትሮ ጥራይ ይርሕቕ።

ኣብቲ ቦታ ካብ ዝነብሩ 300 ስድራ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ዝነጥፉን ንደቆም ኣብቲ ጥቕኦም ዘሎ ቤት ትምህርቲ ዘምህሩን'ዮም።

ላክሽማን [ኣቦ ዳቪንያ] ንባዓሉ ብዘይስድራ ከምዝዓበየ ይዛረብ። "ደቀይ ነቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ ህይወት ክደግምዎ ኣይድልይን። ንኹሎም ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዝልእኾም ርግጸኛ እየ" ኢሉ።