ርያን፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ጸቢብ ዒላ ተቐርቂሩ ዝርከብ ህጻን ንምውጽእ ዝግበር ዘሎ ቅልስ

ሰራሕታኛታት ህይወት ኣድሕን ዝኮዓትዎ ጉድጓድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንርያን ንምድሓን ዝግር ዘሎ ጻዕሪ

ኣብ ሞሮኮ ኣብ 32 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ኣዝዩ ጸቢብ ዒላ ንሓሙሻት መዓልታት ተቐርቂሩ ዝርከብ ርያን ዝተብሃለ ወዲ 5 ዓመት ህጻን ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንምውጽኡ ተቓሪቦም ከምዘለዉ ገሊጾም።

ርያን ካብ ከተማ ታሞሮት 100 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቸፍቻውን ትብሃል ዓዲ እናተጻወተ እንከሎ’ዩ ብሰሉስ ከባቢ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ 30 ሴንቲ ሜተር ጥራይ ስፍሓት ዘለዎ ጸቢብ ማይ ዘይብሉ ዒላ ኣትዩ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ካሜራ ዝተገጠሞ ገመድ ብምስዳድ ርያን ኣስታት 32 ሜትሮ ዕምቖት ኣብ ዘለዎ ጉድጓድ ተቀርቒሩ ከምዘሎ ብምሕባር ንምድሓኒ ክጓየዩ ጀሚሮም።

ኣብ መጀመርታ ወለንተኛታት ብገመድ ተኣሲሮም ናብቲ ጸቡብ ጉድጓድ’ኳ እንተተሰደዱ፡ እቲ ጉድጓድ ኣብ መበል 28 ሜትሪ 25 ሰንቲ ሜተር ጥራይ ግፍሒ ስለዘለዎ እቲ መስርሕ ክዕወት ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

ከም ኣማራጺ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ርያን ተቐርቂርሉ ዘሎ ዒላ ብኣርባዕተ ዶዘራት ገዚፍ ጉድጓድ ብምፍሓር፡ ንታሕቲ 32 ሜትሮ ከምዝበጽሑን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ንጋድም ምኵዓት ከምዝጀመሩ እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ይገልጹ።

እንተኾነ እቲ ንጋድም ዝግበር ምፍሓር፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓመድ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣድሕንን ንርያንን ከይጸቅጦም ብሜላን ብዝግታን ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ምድሓን ርያን፡ ዓብደልሰላም ማኮዲ ትማሊ ምሸት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ቀሪብና ኢና፡ ክሳብ ሕጂ ንሰለስተ መዓልታት ብዘይዕረፍቲ ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።

ንርያን ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ስርሒት ካብ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ብዘይምቁራጽ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ንርያን ማይን ኦክስጅንን ብትቡ ናብ ውሽጢ እቲ ጸቢብ ጉድጓድ ኣትይዎ ከምዘሎ’ኳ እንተተገለጸ፡ ርያን ብሓሙስ ጽቡቕ ከምዘሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ትማሊዓርቢ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ ዘርኢ ስእሊ ይኹን ቪድዮ ኣይተርኣየን ዘሎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኦክስጅን ዘተሓላልፍ ትቦ፡ መግብን ማይን ናብ ርያን ክሰዱ እንከለዉ፡ ኣብ ደገ ኮይኖም ንምውጻእ እቲ ህጻን ዝጽበዩ ሓካይም ኸኣ ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ ተዳልዮም ኣለዉ።

ንዕምቆት እቲ ዒላን ርያን ዘለዎ ቦታን ዘርኢ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ንዕምቆት እቲ ዒላን ርያን ዘለዎ ቦታን ዘርኢ ስእሊ

ንርያን ናብ ዝልዓለ ሕክምና ንምውሳድ’ውን ኣብቲ ቦታ ሄሊኮፕተር ተዳልያ ኣላ።

ኣብ መላእ ዓለም ብዙሕ ሰብ ምስ ርያን ዘለዎ ምድንጋጽ የርኢ ኣሎ።

ኣልጀርያዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ርያድ መሃረዝ“ርያን በርትዕ” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ፡ ወትሩ ኣብ ጸሎት ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣሽሓት ሳበት #SaveRayan ዝብል ሃሽታግ ብመጥቃም፡ ህጻን ርያን ካብቲ ዘለዎ መጻብብ ብሰላም ክወጽእ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።

Map