ብሓያል ድርቂ ዝተጠቕዐት ዚምባብዌ ሓራምዝ ትሸይጥ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዚምባባዌ፡ 30 ሓራምዝ ናብ ካልእ ሃገር ብመሸጣ ከምዘግዓዘት ተገሊጹ። ነቶም ሓራምዝ ዝወሰደት ሃገር፡ ቻይና ከምዝኾነት እዩ ዝእመን።
ተሓለቕቲ መሰል እንስሳት፡ ነቲ መሸጣ ነቒፎምዎ።
እንተኾነ ንሃገራዊ ሕዛእቲ ዚምባብወ ዘመሓድር ቤት ጽሕፈት፡ እቲ መሸጣ ኣብታ ብምኽንያት ሓያል ድርቂ ዛጊት 55 ሓራምዝ ዝሞቱላ ሃገር፡ ነቶም ካልኦት ዝተረፉ እንስሳት ንምሕጋዝ ዘድሊ ሸርፊ ወጻኢ ከምዘርክብ ይገልጽ።
ወሃቢ ቃል ናይቲ ትካል፡ በቲ ዝርከብ ገንዘብ ኣብ መዕቆቢ እንስሳት ህዋንጊ ናይ ዘለዉ እንስሳት ህይወት ንምድሓን ዝሕግዙ ዒላታት ከምዝኳዓቱ ገሊጹ።
ነቲ መሸጣ ክቃወም ዝጸንሐ ዳይረክተር 'ኣድቮኬትስ ፎር አርዝ' ለኒን ቺሳይራ ግን፡ ነቲ ተግባር ኮኒንዎ።
"ኣንጻር እቲ ሓራምዝ እናሐዝካ ናይ ምሻጥ ባህሊ ክንጉስጉስ ጸኒሕና ኢና" ዝብል እቲ ዳይረክተር፡ ሓራምዝ ካብቲ ዝለመድዎ ቦታ ኣውጺእኻ ናብ ካልእ ቦታታት ክውሰዱ ምግባር ጌጋ ምዃኑ ድማ ይዛረብ።
ካብቲ ተፈጥሮኣዊ መንበሪኦም ወጺኦም ኣብ መዕቆቢ ክነብር እንከለዉ፡ እቶም እንስሳት ከምዝሳቐዩ እዩ ዝገልጽ።
ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ እቲ መዕቆቢ እንስሳት ዝተስፋሕፈሐ ዕደና፡ ኣብ ማይን ሳዕርን እቲ ከባቢ ጉድኣት ከምዘብጸሐ'ውን ይዛረብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







