ዚምባብዌ 93 ሓራማዝ ንቻይና ሸይጣ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዚምባብዌ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ዓመታት 97 ሓራምዝ ብምሻጥ 2 ነጥቢ 7 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝረኸበት ሚኒስትር ቱሪዝም እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ቱሪዝም ዚምባብዌ ፕሪስካህ ሙፑፉምያ ከምዝገለፅኦ፡ እቶም 93 ሓራምዝ ንቻይና ዝተሸጡ እንትኾኑ፡ ዝተረፉ ድማ ንዱባይ እዮም ተሸይጦም።
እቶም ዝተሸጡ ሓራምዝ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ዝባፅሑ ሓራምዝ ከምዝኾኑ ድማ፡ እተን ሚኒስተር ገሊፀን።
ካብ 2012 ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት 2018 ዝተሸጡ እዞም ሓራምዝ፡ ንሕድሕዶም ካብ 13,500 ክሳብ 41,500 ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተሸጡ ድማ፡ ሚኒስተር ቱሪዝም እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ከም ሓበሬታ ሚኒስትር ፕሪስካህ ሙፑፉምያ፡ እቲ ካብ መሸጣ ሓራምዝ ተረኺቡ ዘሎ ትርፊ ንመዐቀቢ እዞም ሓራምዝ ክውዕል እዩ።
"ዚምባብዌ 55 ሽሕ ሓራምዝ ናይ ምሕብሓብ ዓቕሚ እዩ ዘለዋ፡ ሕዚ ግና 85 ሽሕ ሓራምዝ እዮም ዘለዉና" ኢለን።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







