ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት ካብ ስማርትፎን ናብ ናይ ቀደም ቴለፎናት ዝምለሱ ዘለው?

ኖክያ 3310

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብብዝሒ መሸጣ ወመዳድርቲ ዘይተረኽባ ቴለፎን ኖክያ 3310

ሮቢን ዌስት - ጓል 17 ዓመት - ካብ መሓዙታ ፍልይ ዝበለት እያ፣ ዘመናዊ ሞባይል ተሌፎን (ስማርትፎን) የብላን።

ግዜኣ ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራም ካብ ምሕላፍ ዘድሕና፡ መተግበሪታት ዘይቕበል፡ “ናይ ቀደም” ሞባይል ተሌፎን (ዳምብፎን) እያ እትጥቀም።

እዚአን መሰረታዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዘገልግላ ኮይነን ምስ ስማርትፎን ክወዳደራ እንከለዋ ኣዝዩ ድሩት ኣገልግሎት እየን ዝህባ።

ተሌፎን ክትድውልን ክትቕበልን ከምኡ’ውን ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ (ኤስኤምኤስ) ክትልእኽን ክትቕበልን የኽእላ። ምናልባት ዕድለኛ እንተዄንካ ራድዮ ክትሰምዓለንን ስእሊ ክትወስድን ትኽእል።

ኢንተርነት ከትጥቀመለንን መተግበሪታት ክተውርደለንን ግን ኣይትኽእልን። ብሓጺሩ ንናይ 1990ታት ሞባይላት እየን ዝመስላ።

ሮቢን ቅድሚ ክልተ ዓመት ነታ ዝነበረታ ስማርት ፎን ክትጉሕፍ ዘገደዳ ምኽንያት ኣቐዲማ ዝሓሰበትሉ ኣይነበረን። ኣብ ናይ ሓራጅ ተሌፎናት መሸጢ ድኳን ምስከደት፡ በተን ሕሱር ዋጋ ዝነበረን ተሌፎናት ተመሰጠት።

ሕጂ ትጥቀመላ ዘላ ሞባይል ተሌፎን ብ 10 ዶላር እያ ዓዲጋቶ። እታ ተሌፎን ምስ ኢንተርነት ክትራኸብ ስለዘይትኽእል’ውን ወርሓዊ ንኢንተርነት (ዳታ) እትኸፍሎ ወጻኢ የብላን።

“ስማርትፎን ክሳዕ ክንደይ ንህይወተይ ተቘጻጺርዎ ከምዝነበረ ነዛ ተሌፎን ምስሓዝኩ እዩ ተረዲኡኒ” እትብል ሮቢን፡ “ብዙሕ ናይ ማሕበራዊ መተግበሪታት እየ ዝጥቀም ነይረ፡ ብዙሕ’ውን እሰርሕ ኣይነበርኩን” ኢላ።

እታ ነባሪት ለንደን ወሲኻ፡ ዳግማይ ‘ስማርትፎን’ ክትዕድግ ከምዘይኮነት ትዛረብ።

“[በዛ ናይ ሕጂ ተሌፎን] ሕጉስቲ እየ፣ ዝያዳ ውጽኢታዊት ኮይነ ኣለኹ” ኢላ።

ክልተ ዳምብፎን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጠለባት ‘ዳምብፎን’ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ፤ ካብ 2018 ክሳዕ 2021 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ጉግል ብዛዕባአን ዝግበር እለሻ ብ89% ከም ዝዓበየ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓለምለኻዊ ኣሃዛት ዕድጊ ‘ዳምብፎን’ ናብ 1 ቢልዮን ከም ዝበጽሐ ካልእ ጸብጻብ ይነግር። ኣብ 2019 እቲ ኣሃዝ 400 ሚልዮን እዩ ነይሩ።

ብኣንጻሩ፡ ብዝሒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሸጣ ‘ስማርትፎን’ 1.4 ቢልዮን ክኸውን እንከሎ እዚ ካብ ናይ 2020 ብ 12.5% ጎዲሉ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ካብ 10 ተጠቀምቲ ሞባይል ተሌፎን ሓደ፡ ‘ዳምብፎን’ ኣለዎ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ 'ኡስዊች.ኮም' ክኢላ ሞባይል ቴለፎናት ዝኾነ ኤርነስት ዶኩ፡ "ኣብ ቲክቶክ ዝረኣዩ ቪድዮታት ኣብ ትንሳኤ ምጥቃም ዳምብፎን ልዑል ተራ" ከምዘለዎም ይነግር።

ንሱ ወሲኹ፡ እዘን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዝህባ ተሌፎናት ምስተን ብኣፕልን ሳምሰንግን ዝስርሓ ሞዴላት ስማርትፎን ዘይወዳደራ’ኳ እንተኾና፡ “ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ መዳያት፣ ዕድመ ባተርን ተጻዋርነትን በሊጸን ከምዝረኣያ” የረድእ።

ምሁር ስነልቦና ፕረዝመክ ኦለጅኒዛክ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ካብ ስማርትፎን ናብ ኖክያ 3310 እትበሃል ሞዴል መሰረታዊ ኣገልግሎት እትህብ ተሌፎን ቀይሩ።

ንሱ ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ነዊሕ ዝጸንሕ ባተሪ ስለዘለዋ’ኳ እንተነበረ፡ ካልእ ብዙሕ ጥቕምታት ከምዘለዋ ድሒሩ እዩ ተረዲኡ።

“ኣብ ተሌፎነይ ኣብ ፈይስቡክን ዜናታትን ዝመጸኒ ኵሉ ብምርኣይ ብዙሕ ግዜ እየ ዘጥፍእ ነይረ።

“ሕጂ ምስ ስድራቤተይን ምስ ገዛእርእሰይን ዝያዳ ግዜ አጥፍእ። ቀንዲ ከኣ ካብ ወልፊ ላይክ፡ ሼር፡ ኮመንትን ብዛዕባ ህይወተይ ንኻልኦት ካብ ምግላጽን ድሒነ ዝያዳ ብሕትና ኣሎኒ፡” ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ምስግጋር በዳሂ ከም ዝነበረ እቲ ነባሪ ከተማ ሎድዝ - ፖላንድ ይገልጽ።

“ቀደም [ኣብ ዝገሸሉ እዋን] መዕረፊ ኣውቶቡስ፡ ኣብያተ መግቢ ንምርካብ ተሌፎነይ እየ ዝፍትሽ ነይረ። ሕጂ ግን ከምኡ ዝበሃል የለን። ስለዚ ቅድሚ ምብጋሰይ ዘድልዩኒ ነገራት ኣብ ገዛ እንከለኹ ምጽፋፍ ተማሂረ ኣለኹ፡” ኢሉ።

‘ላይት ፎንስ’ ሓደ ካብ ኣፍረይቲ ‘ዳምብፎናት’ እዩ። እተን ፍርያቱ ካብ ካልኦት ከምአን ዝኣመሰላ ተሌፎናት ዝያዳ ንጥፈታት ከተካይደለን እትኽእል ብሉቱዝን ሄድፎንን ዝቕበላ፣ ከም ሙዚቃን ፖድካስትን ምስማዕ ዘኽእላን እየን።

እንተኾነ፡ “ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ናይ ዜና መወዓውዒ፡ ኢመይልን ኢንተርነት መፈተሽን ዝኣመሰሉ ነገራት ፈጺሙ ክገብረለን” ከምዘይኮነ ይገልጽ።

በዚ ትካል ዝፈርያ ተሌፎናት ምሰተን ካልኦት ብምዝማድ ክብር ዝበላ (99 ዶላር) እኳ እንተኾና፡ ናይ 2021 መሸጣ ፍርያቱ ምስ ናይ 2020 ብምውድዳር ብ 150% ከም ዝወሰኸ ጸብጻባቱ የመልክት።

ተሓጋጋዚ መስራቲ ‘ላይትፎን’ ካይወይ ታንግ ከምዝሕብሮ፡ መበገሲ ዕላማ እቲ ትካል እተን ተሌፎናት ዝተሰርሓ ነቶም ስማርትፎን ዝጥቀሙ፡ ግን ካብ ተሌፎናቶም ንኣብነት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዕረፍቲ ንዝደልዩ ሰባት ከም ካልኣይ ተሌፎን ኮይነን ንኸገልግላ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን ግን ፍርቂ ካብ ዓማዊል እቲ ትካል ከም ቀዳማይ ተሌፎናቶም እዮም ዝጥቀሙለን።

“ስማርትፎን ንደቂ ሰባት ተቘጻጺሩ ኣሎ፤ እዚ ከኣ እናበኣሰ እምበር እናተመሓየሸ ኣይኮነን ዝኸይድ። ዓማዊል ገለ ሽግር ከም ዘሎ የለልዩ ኣለው፣ ንሕና ከኣ ኣማራጺ ክንቅርበሎም ኢና እንደሊ” ይብል ሚስተር ታንግ።

እቲ ዘገርም፡ ቀንዲ ዓማዊል እቲ ትካል ካብ 25-35 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ምዃኖም’ውን የረድእ።

Robin West

ምንጪ ስእሊ, Robin West

መግለጺ ስእሊ, ሮቢን ዌስት፡ መሓዙታ፡ መዓስ ኢኺ ናብ ስማርትፎን እትምለሲ እናበሉ ከምዝሓትዋ ትዛረብ

ብመሰረት ሓበሬታ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ በዓልቲ ሞያ ቴክኖሎጂ ዝኾነት ሳንድራ ዎቸር፡ ገለ ሰባት ሚዛነን ፎኲስ ዝኾና ተሌፎናት ስለዝደልዩ ነተን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዝህባ ተሌፎናት ከም ዝመርጹ ትዛረብ።

“ኣብዚ እዋን ስማርትፎን መዘናግዒ፡ ምንጪ ሓበሬታ፡ ካርታ፡ መዘክር፡ መዝገበ ቃላትን ማሕፉዳን እዩ፡” ብምባል ከኣ ተረድእ።

ስማርትፎን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳያት ህይወት ጣልቃ ምእታው ዝርብሾም ሰባት፡ ናብተን ቀዳሞት ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ይምለሱ ኣለው።

“ዳምብፎን ዝሕዝ ሰብ ቴለፎኑ ነቲ ዘድልዮ መዓላ ጥራሕ እዩ ዝጥቀመላ። ካብ ተሌፎኑ ወጻኢ ኣብ ካልእ ነገራት ከተኩር’ውን ግዜ ይረክብ። ስማርትፎን ዝህበና ዘይተገደበ ኣማራጺ ንሓጐስ ሰባት ዝሰርቕን ዝርብሽን እዩ” ትብል ሳንድራ።

ብዙሕት ሰባት ንሮቢን፡ መዓስ ኢኺ ናብ ስማርትፎን እትምለሲ እናበሉ ይሓትዋ።

ንሳ ግን ናብ ስማርትፎን ናይ ምምላስ ድሌት ፍጹም የብላን።