ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ሚስጥራዊ ዓለማዊ ኑዛዜ ኦንላይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቂ ሰባት፡ ንህይወት ክብ . . . ለጠቕ ዘብሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣብ ዝበዝሖ ዓለም ከም እንነብር ፍጡራት፡ መዓንጣና ሕርር . . . ብትኽ እናበሉና ውሽጥና ጸይሩዎም ዝነብር ብዙሓት ነገራት ኣለው።
ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ህይወትና ዝተፈጥረ ነገር ድማ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሚስጢር ገይርና ኢና ንሕዞ።
ሓደ መዓልቲ፡ ነዚ ኣብ ውሽጥና ዝዓቖርናዮ ነገር ሓንሳብ ኣውጽእ ኣቢልካ ክንገላገሎ እንከለና ግን፡ ንፍስ እንዶ ይብለና የለን? ግን ክኣ ሓሓሊፉ ከም ብዋዛ ምስጢርካ ንኻልኦት ምክፋል ቀሊል ኣይኮነን።
ስለ ምንታይ'ዩ ብፍርሒ፣ ሕንከትን ሰባት ኣበር ከየውጽኡለይ ካብ ዝብል ስግኣት ብዝነቅል ስምዒት ከይብሉንን፡ ኣዕᎁቕና ዝቐበርናዮ ነገር ንምውጻእ ንጽገም?
ሓሓሊፉ ክኣ ናይ ውልቅኻ ሓበሬታ ንብዙሓት ሰባት ምዝራብ ሳዕቤን ከምጽእ ትርእዮ እሞ፡ ሚስጢረይ ሒዘ ዘይቕበርከ ትብል።
ግን ክኣ፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ከም ዝብሉዎ ሚስጢር ሒዝካ ንብሕትኻ ምቑዛም ከም "ድኻም፣ ማሕበራዊ ተነጽሎን ጥዕናዊ ሳዕቤናትን" ዝኣመሰሉ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ስለዚ፡ ንባዕልና ኮነ ንኻልኦት ከይጎዳእና ብኸመይ ንፈትሖ? ኣብዚ እዋን ማሕበራዊ ሚዲያ ሓደ ነዚ ኣብ ምፍታሕ ናይ ባዕሉ ተራ ዝጻወት ዘሎ ይመስል።
'ውሑስ ቦታ'
ሰባት ንዘመናት: ኣባት ነፍሲ ናብ ዝብሉዎም መራሕቲ ሃይማኖት ብምኻድ ጽድቆምን ሓጢኣቶምን ክንስሁ ጸኒሖም።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ክኣ ዝተፈላለዩ ናይ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ምድላዋት 'ሽመይ ንዓኹም፤ ታሪኸይ ግን እዚ'ዩ' ናይ ዝብሉ ሰባት ብቴለፎን ዝቐረበ ታሪኽ ክንሰምዕ ጸኒሕና።
ከምዚኦም ዝበሉ ምድላዋት፡ ብዙሓት ሰባት ንብሕቶም ዝሓዙዎምን ዘቐንዙውዎምን ሚስጥራት ንከካፍሉ ብኡ ኣቢሎም ድማ ካብ ካልኦት ሰባት ብዝረኽቡዎ ሓሳብን ርኢይቶን ክሕገዙ በሪ ከፊቶም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ1980፡ ሓደ ስነ ጥበባዊ ሰባት ንዝኾነ ዘጣዕሶም ነገር ይቕሬታ ዝሓቱሉ ናይ ይቕሬታ መስመር ፈጢሩ ነይሩ።
እዚ ኣብ ኒውዮርክ ን15 ዓመታት ክጸንሕ እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መቐበሊ መሽን መንነቶም ኣብ ሓደጋ ከየውደቑ ወይ ከየቃልዑ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንዝፈጸሙዎ በደል "ይቕሬታ" ዝሓትሉ መልእኽቲ ይገድፉ ነይሮም።
እዚኦም፡ ሕጂ ኣብ ፖድካስት እናቐረቡ ካልኦት'ውን ንክንስሑ ወይ ንክናዘዙ ሸውሃቶም ይኸፍቱሎም ኣለው።
ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ካልእ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወት ዝተፈላለዩ ሰባት እንሰምዓሉ ዘለና መድረኽ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ግን ፍጹምነት ዝተመልኦን ብጥንቃቐ ዘዳለውዎምን ስእልን ካልእን ክጥቅዑሎም ይርኣይ።
ብኻልእ ወገን፡ ነቲ ዝተሓብአ ስምዒታቶም ብስመ ስውር ኣቢሎም ካብ ብዙሕ ንኣዝዩ ውሑድ ክፋል ህይወቶም ብቕንዕና ዘካፍሉሎም ናይ ኦንላይን ናይ ንስሓ ወይ ኑዛዜ ገጻት ብምህላዎም ተጠቀምቲ 'ሽመይ ንዓኹም' እናበሉ ሚስጢራቶም የካፍሉ ኣለው።
"እዚ ሰባት ካብ ካልኦት ዝምሃርሉን ከይተሰከፉ ሚስጢሮም ንምክፋል ዓብዪ ዕድል ዝረኸብሉን ውሑስ ቦታ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል ክኢላ ስነ ልቦና ዛህራ ካማል ኣላም።
ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ኦንላይን ዝዳለው ፎረማትን ናይ ወግዒ መድረኻትን'ዮም ንኸምዚኦም ዝበሉ ትሕዝቶታት ዘምጽኡ ነይሮም።
ድሕሪኡ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ክርኣዩ ጀሚሮም። ካብ ቀረባ ግዜያት ንነጀው ድማ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ነዞም ትሕዝቶታት ይምንዝዖምን ብሰፊሑ የምጽኦምን ኣሎ።
እዞም ታሪኻት፡ ካብ ዘስሕቕ ክሳብ ኣዝዩ ዘሕዝን ተባሂሎም ዝምዘኑ ኮይኖም፡ ኣብ ቤት ትምህርትን ዩኒቨርስትን ኣትሒዞም ዝጅምሩ ናይ ነዊሕ ግዜ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ውሽጦም ዝዓቖሮ ይዝሕዝሑሉ ኣሎም ኣለው።
"ሰባት ሓገዝ ንዝህቡ ጉጅለታት ዝረኽቡ እንተኾይኖም ብሚስጢር እንተካፈሉ ዓብዪ ዕድል'ዩ፤ ካብቲ ብኸም ናቶም ዝበለ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝሓልፍ ዘሎ ሰብ ድማ ይመሃሩ" ትብል ኣብ ኢስላማባድ ፓኪስታን እትቕመጥ ክኢላ ስነ ልቦና ዛህራ ካማል ኣላም።
"እዚ፡ ብፍላይ ሕብረተሰብ ነውሪ ኢሉ ዝወስዶም ናይ ጾታ፣ ጎነጽንን ጾታዊ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብግልጺ ንክውግዓሎም ይሕግዝ'ዩ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስነ ልቦናዊ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎትን ኣብ ዝወሃበሎም ቦታታት ከይድኻ ብዛዕባ ትሓልፎ ዘለኻ ነገር ምዝራብ ምኽኣል ናይ ሕውየት መገዲ እዩ ትብል፤ ስለዚ ሰባት ሚስጥሮም ኣብ ኢንተርነት ምክፋሎም ክሕድሸና ከም ዘይብሉ ትዛረብ።
'ፌስሆል' ሓደ ኣብነት ሚስጢራዊ ናይ ትዊተር ናይ ንስሓ ገጻት እዩ። ብድሕሪ 'Fesshole' ዘሎ ድማ ተቐማጢ ኢንግሊዝ ሮብ ማኑኤል እዩ።
ንሱ፡ "ኣብ ሕሉፍ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ነገር ኣብ ኦንላይን ኣውጺእኻዮ ምኻድ ሳዕቤን ኣይነበሮን። ሓለቓኻ ወይ ቤተሰብኻ ስለ ዘየንብቡዎ ድማ፡ ሸኽምካ ንምቅላል ውሑስ ቦታ እዩ፤ ማሕበራዊ ሚዲያ ልክዕ ከም ናይ ፍሩታ መሽን እዩ። ኣብኡ ብእተእትዎ ነገር ጥቕሚ ዘይብሎም ኣሽሓት 'ላይክ' ትረክብ፤ ብኣንጻሩ ድማ ስራሕኻ ክትስእን ትኽእል" ይብል።
እዚ ገጽ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሕጂ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዎ። ሮብ፡ መዓልታዊ ብስመ ስውር ካብ ዝልኣኹሉ ኣማኢት ኑዛዜታት 16 መሪጹ ይልጥፎም።
"ከም ኤዲተር እየ ዝሰርሕ ዘለኹ፤ ሓቂ ዘይመስሉ ወይ ሓበራዊ ስምምዕ ዘይብሎም ኣይልጥፍን። ገለ ዘየተባብዑ ነገራት ይመጽኡ እዮም፤ ነዚኦም ክሕትም ኣይደልን" ኢሉ።
ገለ ካብቶም ናብ ሮብ ዝመጽኡ ንስሓታት፡ "ዝሓለፈ ዓመት ኣቦይ ምስ ሞተ ኣደይ ብጣዕሚ ሓዚና ነይራ። ሓደ ግዜ፡ ናይ ኣቦይ ዝነበሩ ኣቑሑ እናፈተሽኩ ፓስፖርቱ ረኺበ። በዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኦንላይን ፍቕራዊ ምሕዝነት ዝፍጠረሎም መተግበሪታት፡ ካልእ ሰብ ከም ዝነበሮ ፈሊጠ። እዚ ንኣደይ ልባ ክሰብራ ስለ ዝኽእል ግን ኣይነገርኩዋን" ዝብል ይርከቦም።
ሮብ፡ እቲ ድረ ገጽ እናዋዛየ ግን ስምዒት ደቂ ሰባት ዝትንክፉ መልእኽታት ከም ዝልጥፈሉ ይዛረብ።
ሕፍረትን ተነጽሎን ምቅላስ
ካልኦት ከም The Secret Keepers ዝበሉ ገጻት ኢንስተግራም ድማ ኣዝዩ ዕምቆት ዘለዎም ውልቃዊ ታሪኻት የምጽኡ።
"ብዙሕ ፍልልይ ኣብ ዘይብሉ ዓለም ስለ እንነብር፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳያትካ ምስ ቤተሰብን መሓዙትን ክተውግዖ ክኸብድ ይኽእል'ዩ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ተነቃፊ ስምዒት እንተሓዲሩካ ከኣ፡ ኣግሂድካ ክትዛረቦ ይኸብደካ እዩ፤ መንነትካ ሓቢእካ ኣብ ኢንተርነት እትገብሮ ግን ውሑስን ብዓይኒ ካልኦት ካብ ምፍራድን ከድሕነካን ይኽእል'ዩ" ትብል ሓንቲ ካብ መስረትቲ እዚ ገጽ ዝኾነት ኦሊቪያ ፒተር።
ወሲኻ "ነዚ እዩ ሰባት ናብ ሰብ ሞያ ስነ ልቦና ክንኸይድ እንከለና ንመሓዙትና ነጊርካዮም ዘይንፈልጥ ኩሉ ንነግሮም" ኢላ።
እዚ ገጽ፡ ኣብ ዙርያ ኑዛዜ ሓደ ሰብ ኣመልኪቱ ንዝግበሩ ልዝባት ክፉት ናይ ዝርርብ መድረኽን ሓገዝን ኣመቻቺኡ ኣሎ።
ኣብዚ ኣዶነት ካብ ዘጣዕሰን ደቂ ኣንሰትዮ ጀሚሩ ክሳብ መጻምዶም ዝፈትዉዎ እንተኸነ'ውን ብጾታዊ ርክብ ከም ዘይጠዓዓሙ ዝገልጹ ሰባት ይመጽኡ።
እዚ መተግበሪ፡ ክኢላታት ስነ ልቦና ዘለዎ ስለ ዝኾነ ነቶም ሚስጥሮም ዘካፍሉ ሰባት ምኽሪ ይህቡ'ዮም።
"ሚስጥር ምክፋል ሰባት ብሕታውነት ንከይስምዖም፡ ተነጺሎም እናሃለው እውን ውህደት ዝፈጠሩ ኮይኑ ክስምዖምን ኣብ ዙርያ ብዙሓት ነገራት ዝስምዖም ሕንከት ከወግዱን ይሕግዝ" ትብል ኦሊቪያ።
"እቲ ድረ ገጽ ዳርጋ ንሰብ ተውግዖ ዘለኻ ስለ ዝመለስል ይሕግዝካ እዩ ዘሎ። ዘ-ሰክሬት ኪፐርስ ስምዒት እዞም ሰባት መሰረት ዘለዎም ምዃኑ ብምርኣይ ተነጽሎ ኣብ ምቅላስ ክሕግዝ ተስፋ ይገብር"።
ሳይበራዊ መድሃልቲ
ይኹን'ምበር እዞም፡ ሰባት ዝንስሑሎም ዘለው መተግበሪታት ኣሉታዊ ጎኒ ኣለዎም'ዩ፤ ብፍላይ ብግቡእ እንተዘይተታሒዞም ኣዕነውቲ ክኾኑ ይኽእሉ።
ብስመ ስውርነት ሚስጥራትካ ምንዛዝ ቅኑዕ ልዝባት ክካየድ እኳ እንተኽኣለ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎም ጸያፋት ወይ ጨካናት ርኢይቶታት ክወሃበሎም ስለ ዝርኣይ፡ እዚ ነቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ኣብ ምስኻዕ ማሕለኻ ይፈጥር።
ሳራ፡ ብ2018 ሳይበራዊ መድሃልቲ ባይታ ተመቻችእ ነይራ ብዝብሉ ክስታት ካብ ጉግልን ኣፕል ስቶርን ተኣልያ።
ብዓረብኛ 'ቅንዕና' ብዝብል ቃል ዝተሰርሐ መተግበሪ፡ ኣስራሕቲ ካብ ሰራሕተኛታቶም ብስመ ስውርነት ቅኑዕ ርኢይቶ ንክቕበሉ ብዝብል'ዩ ነይሩ።
ብኣንጻሩ ተጠቀምቲ እዚ መተግበሪ ንሳይበራዊ መድሃልቲ ኣውዒሎምዎ።
ከም ዊስፐር፣ ሲክሬትን ኣስክ ኤፍኤምን ዝበሉ መተግበሪታት እውን፡ እቶም ዝሰርሑዎም ኣካላት ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ክቆጻጸሩዎ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተዓጽዮም።
"ናይ ኦንላይን መተግበሪታት ጽቡቕ ሃቐነ ብዘይብሎም ሰባት ተመዝሚዞም ድሕነት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ይኽእሉ'ዮም። ብስርዓት እንተዘይተታሒዞም ካብ ጥቕሞም ንላዕሊ ጉድኣቶም ክዛይድ ይኽእል'ዩ" ትብል ዛህራ።
"በዚ ምኽንያት ሰባት ግጉይ መልእኽታት እናበጽሖም ብሰንኪ ዘይተማልኡን መረጋገጺ ዘይብሎምን ሓበሬታታትን ማዕዳታትን ብዝፈጥረሎም ጭንቀት ንዘጋጥሞም ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ንምፍታሕ ግራ ክኣትዎም ይኽአል'ዩ" ኢላ።
ዓለምለኻዊ ኑዛዜ
ይኹን'ምበር እዞም ናይ ኑዛዜ ገጻት ዓለምለኻዊ ፍጻመታት ኮይኖም ቀጺሎም ኣለው። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን ተመሃሮ ዝሳተፉሎም ናይ ፌስቡክ ንስሓ መጥቀሚታት ኣለዎም።
ኣብ ሆንግ ኮንግ ከም Sticky_Rice_Love ከምኡ'ውን Couple.Murmur ዝበሉ ናይ ኢንስተግራም ገጻት ንሰዓብቶም ብመልክዕ ንስሓን መልስን ናይ ጾታዊ ርክብን ፍቕራዊ ምሕዝነትን ማዕዳታት ይህቡ።
ኣብ ፓኪስታን ድማ፡ ተጠቀምቲ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ቅኑዕን ስምዒታዊ ሓሳባቶምን ዝገልጽሉ "gham hour" ዝተባህለ ገጽ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ'ውን ብዛዕባ ንጉስ ሚስጥር ዝሓዘ ሰብኣይ ንበይኑ ጥራይ ክሕዞ ኣይኽእልን፤ የግዳስ ናብ ጫካ ከይዱ ነቲ ጫካ ይነግሮ፤ ድሕሪኡ ንፋስ ብዝነፈሰ ቑጽሪ እቲ ጫካ ነቲ ሚስጢር ይደግሞ ካብ ዝብል ኣበሃህላ ዝመንጨዩ፡ "bamboo forests" ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ዌብ ሳይት ገጻት ኣለው።
በቲ በለ በዚ፡ ብዙሓት ሰባት ዝሓብኡዎ ሚስጢር ምንሳሕ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።
ትሑት እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ኣስታት 75 ሚኢታዊት ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዘጋጥሞም ሰባት፡ ሓገዝ በዓል ሞያ ዝረኽብሉ መገዲ ከም ዘይብሎም ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለምን ጋፕ ኣክሽን ዝተባህለ ትካል ጥዕና ኣእምሮን የመልክቱ።
"እዚ ማለት እቲ ናይ ሕክምና ክፍተት ኣዝዩ ዓገዚፍ'ዩ ማለት'ዩ። ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ዘይምህላዎም፣ ትኹረት ናይ ቅድመ ምክልኻል ምንቅስቓሳት ብምውሓዱ፣ ተበጻሕነት እዞም ኣገልግሎታት ኣብ ገጠራትን ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራትን ድሩት ምዃኑ ገለ ካብቶም ንጸገም ጥዕና ኣእምሮ ምኽንያት ዝኾኑ ዘለው ጉዳያት እዮም" ኢላ።
ንሳ ዋላ'ውን ክኢላ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ እንተኾነት ናይ ኦንላይን ገጻ ውሑስ ሚስጥራት ዝካፈለሉ ቦታ ምፍጣሮም ኣገዳሲ ምዃኑ ትዛረብ።
"ብዛዕባ ዝኾኑ ነገራት ምዝራብ ናይ ምሕዋይ መገዲ ክኸውን ከምኡ'ውን ንገለ ሰባት ኣሉታዊ ስምዒታት መሊሱ ክቕስቕሰሎም ዝኽእል ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰባት ውሕስና ክስምዖምን ክሕገዙን ግን ኣለዎም" ኢላ።
ክኢላ ስነ ልቦና ኣንጄሎ ፎሊ ኣብ ፈረንሳ Balance Ta Peur - "ፍርሕኹም ኣውጽኡ" ዝብል ናይ ኢንስተግራም ገጽ ዘመሓድር ኮይኑ 70 ሽሕ ተኸተልቲ ኣለውዎ።
ካብዚ እቶም ዝንስሑን ዘንብቡን ተጠቀምቲ ምዃኖም ይዛረብ።
"ናይ ኻልኦት ሰባት ኑዛዜ ምንባብ ልክዕ ከም ሓደ ልበ ወለድ ምንባብ እዩ። ንባዕልና ኣብኡ ኣእቲና ንነብስና ንርኢ፤ ናይ ካልኦት ሰባት ዛንታ ስነ ልቦናውን ስምዒታውን ኩነታትና ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ ተራ ኣለዎም" ኢሉ።
ኣንጄሎ፡ መጀመርታ ኣብቲ ገጽ ፍርሖም ዘካፈሉ ሰባት ሓደ እዩ። ሞይኡ ብሚስጢር ዝሓዙዎ ፍርሒ ንከካፍሉ ውሑስ ባይታ ምፍጣር ከም ዘኽኣሎ ይዛረብ።
"ፍርሒ ኣብ ቀጻሊ ህይወትና፣ ኣብ ጊዝያዊ ቅልውላው፣ በሰላታትናን ስቓይናን ከምኡ'ውን ብተደጋጋሚ ኣብ እንሓቶም ነገራት ዘሎ'ዩ። ብዛዕባ እዚ እንዛረበሉ ቦታ ኣይነበረን፤ ስለዚ ኢንስተግራም ሰባት ዕወት ዝመስል ናይ ሓሶት ህይወቶም ካብ ዘካፍልሉ ባይታ ወጻእ ሰባት ዝሕገዝሉ ክኸውን ገይረ" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







