ወልፊ ማሕበራዊ ሚዲያ ከጨንቐኩም'ዶ ይግባእ?

ሞባይል

ኣብዚ ዘመን ብርክት ዝበሉ መተግበሪታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት እናሃቡ ሚሊዮናት ተጠቀምቲ ከፍርዩ ክኢሎም እዮም።

እዞም ማሕበራዊ ሚዲያታት ብፍላይ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ብሰፊሑ ዝጥቀሙዎም ኮይኖም ንሳቶም'ውን ብቐንዱ ንዕኦም ትኹረት ብምግባር ሓደሽቲ ኣገልግሎታት የቕርቡ ኣለው።

በዚ ምኽንኣት ብዙሓት መናእሰይ ዝበዝሐ ግዝኦም ኣብቶም ኣብ ህይወቶም ኣብዚ እቶ ዘይብሃል ጥቕሚ ዘይብሎም ኣገደስቲ ዘይኮኑ ነገራት ከሕልፉዎ ይስትውዓል።

ሪኪ ሽሎት ትብሃል፤ ቅድሚ 10 ዓመት ቖልዓ 11 ዓመት እንከላ እያ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓደ ዝኾነ ኢንስተግራም ክትጥቀም ጀሚራ።

ኣብዚ ነዊሕ ሰዓት ተሕልፍ ከም ዝነበረት እትዛር ሪኪ ኣብ መዓልቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓት ብቐዋምነት ኢንስተግራም ትጥቀም ነይራ።

"እዚ ኩነታት ቀንዲ ኣካል ህይወት ኩሉ ሰብ ኮይኑ እዩ። ቅድም ኢሉ ኣብ መጽሄት ርኢና ኢና ጽባቐ ሰባት ንንእድ ነይርና። ሕጂ ግን እዚ መጽሄት ደድሕሬና ዝስዕበናን ኣብ ጁባና ዘሎን ነገር ኮይኑ ኣሎ" ክትብል ትገልጾ።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዝጥቅዕዎም ጽሑፋት ኮኑ ስእሊ እወንታዊ ወይ ጽቡቕ ምስሊ ህይወቶም ዘንጸባርቕ ስለ ዝኾነ ብዙሓት ተጠቀምቲ ነቲ ጽቡቕ መሲሉ ዝቐረበ መንነት ጥራሕ ብምርኣይ ንርእሶም ዝህቡዎ ዋጋን ርእሰ ተኣማንነትን ብእወንታን ኣሉታን ክጸልዎ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ሪኪ "ናተይ ህይወት'ውን 'ናይ ኢንስተግራም ሪኪን ትኽክለና ሪኪን' ብዝብል መገዲ'ዩ ክህነጽ ጀሚሩ" ትብል።

እቲ መተግበሪ ቖልዑ እናሃለው ምጥቃም ዝጀመሩ ካልኦት ሰባት'ውን ተመሳሳሊ ተጓንፎ እዩ ዘለዎም።

ጓል 14 ዓመት ኣሊኖር "ቖልዓ እናሃለኹ ሰባት ብዛዕባይን ብዛዕባ ኢንስተግራምን ዝበሉ እንተበሉ ድምብርጽ ኣይብለንን ነይሩ። ሕጂ ግን ከምኡ ዓይነት ነገር ብዝተወሰነ መልክዑ ጸቕጢ ኣሕዲሩለይ እዩ" ትብል።

መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ሕማቕ ስምዒት ክገጥሞም እንከሎ ናብ ኢንስተግራም ወይ ካልእ መተግበሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምኻድ ሞዴላት፣ ጸለውትን ፍሉጣትን ሰባት ብምርኣይ ግዝኦም ከም ዘሕልፉዎ መጽናዕቲ ዝገብሩ ሰባት ይዛረቡ።

በዚ ምኽንያት ኣነ ነዚ ባይታ ዝምጥን ኣይኮንኩን፤ ከምኦም ክኸውን ኣይኽእልን ዝብል ስምዒት ይሓድሮም ይብሉ።

ጓል 21 ዓመት ኤሚሊ ዋሽበርን "ብዛዕባ ነብሰይ ዝኾነ ነገር ክስምዓኒ እንከሎ ካብኡ ንምህዳም ብተደጋጋሚ ናብ ማሕበራዊ ሚዲያ እየ ዝኸይድ። ኣብኡ ተመሊሰ ክመጽእ ዝገብሩኒ ሰባት ይረክብ" ኢላ።

መጽናዕታት ከም ዘመላኽቱዎ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚዲያ ሰባት ወልፊ ንምትሓዝ ብዝብል ዕላማ ዝተሰርሑ እዮም።

"ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ካልኦት ሰባት ዘተኣሳስረና ክፋል ኣእምሮና እዩ ዝቆጻጸሮ። ምስ ሰባት ዝህልወና ጽቡቕ ርክብ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና ብዝምንጪ ንጥረ ነገር ጽቡቕ ስምዒት ክፍጠር ይገብር። ገለ ማሕበራዊ ሚዲያታት ክንጥቀም እንከለና ኣብ ከይዲ ምስ ወልፊ ዘምጽእ ንጥረ ነገር ዝመሳሰል እዩ" ትብል ጸሓፊት ዶፓማይን ኔሽን ኣና ላምብኬ።

ኣብ ኣባጽሕ ካልኦት ዝህቡዎ ግልጺ ዘይኮነ ነገር ስለ ዝኾነ ወልፊ ናይ ምትሓዝ ዕድሉ ልዑል ከም ዝኾነ እዮም ሰብ ሞያ ዝገልጹ።

ብተደጋጋሚ ብዛዕብኡ ክሓስቡ ከለውን ስምዒቶም ምስ ዘንጸባርቑን ማሕበራዊ ሚዲያ ወልፊ ንምትሓዝ ዝተሰርሐ ምዃኑ ክርድኡ ከም ዝጀመሩን መዓልታዊ ሰባት ውሉፋት ናይ ምግባር ዓቕሚ ይረክብ ምህላው ከም ዝተገንዘቡን ዝገልጹ ተጠቀምቲ ኣለው።

ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝነበረትን ነቲ ትካል ዘቃልዐትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገጻት ዘለዎ ሰነድ ንህዝቢ ወግዓዊ ገይራ እያ።

ፍራንሲስ ሃውገን "መራሕቲ እቲ ኩባኒያ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ካብ መጉዳእቲ ዝረሓቐ ክኸውን ምግባር ከም ዝኽእሉ ይፈልጡ'ዮም። ይኹን'ምበር እቲ ዘድሊ ለውጢ ኣይገበሩን፤ ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ሰብ ከስቢ ዘቐደሙ ስለ ዝኾኑ" ክትብል ነቒፋ ነይራ።

እቲ ሰነድ፡ ኢንስተግራም ኣብ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ጎዳኢ ውጽኢት የርኢ።

"ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ካብ ሓሙሽተ ተጠቀምቲ ኢንስተግራም እታ ሓንቲ ብሰንኪ እቲ መተግበሪ ህይወታ ከም ዝተመዛበለ ትዛረብ" ይብል።

እቲ መተግበሪ ብፍላይ ብዛዕባ ርእሶም ትሑት ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ንሕንሕ፣ ጽዕንዕንታን ጭንቀትን ይወስኸሎም።

ምስ ኢንስተግራም ኣብ ትሕቲ ሓደ ኩባንያ ዘሎ ፌስቡክ [ሜታ] ንቢቢሲ ምላሽ ሂቡ እዩ።

ሰራሕተኛ እቲ ኩባኒያ ሞኒካ ቢከርት "ዝኾነ ዓባዪ ብምኽንያት እቲ መተግበሪ ጽቡቕ ዘይኮነ ነገር ክገጥሞ እንከሎ የተሓሳስበኒ እዩ። ግልጺ ክኸውን ዘለዎ ነገር እንተሃለወ እቲ ዝተሰረቐ ሰነድ ከምኡ ኣይብልን" ኢላ።

ማእከል መጽናዕቲ ፒው ብ2018 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ 26 ሚኢታዊት ዝኾኑ ተጠቀምቲ ብዛዕባ ህይወቶም ጽቡቕ ስምዒት ንከይህሎም ከም ዝገበረ ይጠቅስ።

እዚ መተግበሪ ካብ ሞንጎ ዝጥቀሙ ቖልዑት'ውን ጽቡቕ ስምዒት ከም ዘይስምዖም ዝተዛረቡ ኣለው።

"ዝኾነ ቖልዓ ከምዚ ዓይነት ነገር እንተኣጋጢሙዎ ብቐሊሉ ዝርኣይ ነገር ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ሕቶታት እንሓተሉ ምኽንያት ድማ ንሕና ካብ ከስቢ ንላዕሊ ንድሕነት ከም እንግደስ ዘርኢ እዩ" ክትብል ትምጉት።

እቲ ኩባኒያ 'ኢንስተግራም ንህጻናት' ዝብል ኣዝዩ ኣካታዒ ዝኾነ መተግበሪ ከይስራሕ ከም ዝወሰነ ይዝከር።

ኬሪ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንርእሳ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክተናግፍ እኳ እንተወሰነት ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ሰዓት ዘይንእስ ትጥቀም እያ።

"ማሕበራዊ ሚዲያ ናይዚ ወለዶይ ቋንቋ እዩ ኢለ ስለ ዝሓስብ ካብኡ ወጻኢ ምስ ሰባት ክራኸብ ኣይክእልን። ግን ቑልዕነትና ተሰሪቑ እዩ። ሕጂ ግን ስለ ዝባጻሕና ከምኡ ክኸውን ኣይንደለን። እዚ ኽኣ ንድሕነትና ጠቓሚ እዩ" ኢላ።