ቴክኖሎጂ፡ ኢንተርነት ወልፊ ከም ዝኸውን ሓሲብኹም'ዶ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካም ኣዲር ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብዝኾነ ወልፊ 'ቪድዮ ጌም' ከም ዝተጸመደ ንክግንዘብ ነዊሕ ግዜ'ዩ ወሲዱሉ።
"ን10 ዓመት ኣሸጊሩኒ፤ ትምህርቲ ኣቋሪጸ ናብ ኮሌጅ ከይደ ኣይፈልጥን። ንስድራይ ንከዐሹ ኽኣ ስራሕ ዘለኒ የምስል ነይረ። ድሕሪኡ ነፍሰ ቕትለት ክፍጽም ድሕሪ ምሕሳበይ ደብዳበ ጽሒፈ። ሽዑ'የ ድማ ሓገዝ ከም ዘድልየኒ ዝተገንዘብኩ" ይብል።
ሕጂ ካብቲ ጸሚዱ ሒዙዎ ዝነበረ ወልፊ ቪድዮ ጌም ካብ ዝናገፍ 3860 መዓልታት ከም ዝገበረ ይዛረብ።
ወዲ 32 ዓመት ካናዳዊ ካም ኣዲር፡ መስራቲ ጉጅለ ምትሕግጋዝ ጌም ዘቋርጹ ሰባት'ዩ።
እዚ ጉጅለ፡ ብወልፊ 'ጌሚንግ' ንዝተጸገሙ ሰባት ብኦንላይን ሓገዝ ይህብ፤ ብደረጃ ዓለም ድማ ልዕሊ 75 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ።
ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስጉምቲ ዕጽዋታት ብምውሳድ ምንቅስቓሳት ክትድርት እንከላ፡ ቴክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ኢንተርነት ነቲ ብሰንኪ ዕጽዋታት ጠጠው ዝበለ ነገራት ኣብ ምንቅስቓስ ዓብዪ ተራ ነይሩዎ።
ካም ድማ፡ ንኸምኡ ዝበሉ ሰባት ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን ከም ዝነበረ ይዛረብ።
"እቲ ለበዳ፡ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ኣብ ናይ ኮምፒዩተር ጌምን ዩትዩብን ክጽመድ ገይሩ'ዩ። እቲ ዝበዝሕ ኣብ ዩትዩብ ዝርእዮ'ውን ምስ ጌም ዝተኣሳሰር'ዩ። እዚ ክኣ እቲ ወልፊ ከምዝደግሰካ'ዩ ዝገብር" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Deepak Kanda
ሕጂ፡ ሃገራዊ ላይብረሪ ሜድስን ኣመሪካ ናይ ኮምፒዩተር ጌም ጽግዕተኝነት ኣካል እቲ ብሰፊሑ ዝርኣይ ዘሎ ወልፊ ኢንተርነት'ዩ ክብል ሰሪዑዎ ይርከብ።
እዚ ድማ፡ "ሕሉፍ ወይ ብግቡእ ዘይተኣልየ ምጽማድ፣ ናብ ጭንቀት ባህሪያት ዘምርሕ ኣጠቃቕማ ኮምፒዩተር ምህላው" ይገልጽ።
ብዙሓት፡ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርኣይ ዘሎ ዝንባለ ብልክዕ ኣብ መዐወኒ ሓሽሽ ወይ ኣልኮል ዘሎ ወልፊ ዝግለጽ ኣይኮነን ኢሎም ይካትዑ፤ እንተኾነ ነቶም ብወልፊ ኢንተርነት ዝሳቐዩ ሰባት ቐሊል ኣይኮነን።
ተመራማሪ ስነ መትኒን ክኢላ ዲጂታላዊ ወልፍን ዶክተር ኣንድሪው ዶን፡ እዚ ጸገም ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ከም ዝዛየደ የረድእ።
"ጭንቀት፡ ናብ ገለ ባህርያት ዝኾነ ነገር ምድላይን መህደሚ መዲታትን እዩ ዝመርሕ። እቲ ለበዳ ድማ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ጭንቀት ስለ ዝወሰኸ ካብዚ ንምንጋፍ ናብ ከም ማሕበራዊ ሚዲያን ጌሚንግ ዝበሉ ዲጂታላዊ ሚዲያ ምጥቃም ኣትዩ" ኢሉ።
እዚ ካብ ጭንቀት ንምንጋፍ ብዝብል ዘጋጥም ሕሉፍ ተጠቃምነት ድማ ውሉፍ ናይ ምዃን ባህሪያት ክዓብዩ ከም ዝገብር ይዛረብ።
እዚ ናይ ኢንተርነት ወልፊ ንምቅላስ ድማ፡ ብዙሓት ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ እትጥቀመሉ ግዜ ንምግዳብ ወይ ንምዕጻው ዝሕግዙ ኣማራጺታት ኣቕሪቦም'ዮም።
ንኣብነት ሊነዋይዝ፡ ንህጻናት ተባሂሉ ዝተዳለወ ኮይኑ ብቐንዱ ወለዲ ዝከታተሉዎ እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታን መተግበርን፡ ህጻናት ኣብ ጌሚንግ ወይ ኢንተርነት ዘሕልፉዎ ግዜ ወለድን ኣለይቲ ህጻናትን ብርሑቕ ኮይኖም ክቆጻጸሩዎ የኽእል።
ብተወሳኺ፡ እቶም ህጻናት ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍን ጎነጻዊ ትሕዝቶ ዘለዎምን ንከይርእዩ ዝከላኸል "parental locks" ኣለዎ።
ክኢላ ዲጂታላዊ ጥዕናን ስነ ልቦናን ቲዶራ ፓቭክቪክ፡ መናእሰይ ኣብ ኦንላይን ብዙሕ ግዜ ንምሕላፍ ዝተቓልዑ'ዮም ትብል።
"ኣብ ኦንላይን እተሕልፎ ግዜ ጥዑይን ሚዛናውን ገይርካ ምምጣን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክእለት ኣእምሮ ዝሓትት'ዩ፤ እዚ ድማ 25 ዓመት ክሳብ ዝመልአና ኣይነማዕብሎን" ኢላ።
ወሲኻ "እቶም ናይ ኦንላይን ኣማራጺታት ግዜና፣ ትኹረትናን መረዳእታን ንምውሳድ ስለ ዝኾነ ምስቲ ኣብዚ መድረኽ ዘለው ዘይቅኑዓት ሓደጋታት ተደሚሩ ህጻናት ክዕቀን ዝኽእል፣ ዘተኣማምንን ሓላፍነት ብዝተመልኦን መገዲ ክሳተፉ ንምግባር ኣጸጋሚ ይገብሮ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣባጽሕ ድማ፡ ወልፊ ኢንተርነት ከም 'ቤቲንግ' ዝበሉ መተግበሪታትን ካልኦት መርበብ ሓበሬታን ስለ ዘለው ናብ ወልፊ ጠላዕ ክዓቢ ይኽእል።
ቤትብሎከር፡ ሰባት ንዝደለዩዎ ግዜ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ናይ ጠላዕ መርበብ ሓበሬታታትን መተግበሪታትን ክዓጽው ዘኽእል መተግበሪ'ዩ።
መስራቲ ዳንካን ጋርቪ "ሕጂ ኩሉ ሰብ ካዚኖ ኣብ ጅቡኡ ሒዙዎ ዝንቀሳቐስ ኮይኑ ብምህላዉ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኮይንካ ጠላዕ ክትጻወት ምክኣል ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸገማት ውሉፋት'ዩ" ይብል።
ተጠቀምቲ እዚ ንሰዓታት፣ መዓልታት ወይ ሰሙናት ክዓጽውዎ ይኽእሉ'ዮም።
እዚ ከኣ፡ "ተጠቀምቲ እቲ ዝጥቀምሉ ግዜ ገደብ ንክገብርሉ ይሕግዞም" ይብል ጋርቪ።
GamBlock ካልእ መርበብ ሓበሬታ ወልፊ ጠላዕ እትከላኸለሉ መተግበሪ'ዩ።
ዋና ዳይሬክተር ዴቪድ ዋር "ኣንጻር ጠላዕ ኣይኮንና፤ እኳ ድኣ ነቶም ጸገም ዘለዎም ተጣላዕቲ ንሕግዝ እምበር" ኢሉ።
ተመራማሪ ስነ መትኒን ክኢላ ዲጂታላዊ ወልፍን ዶክተር ኣንድሪው ዶን፡ ንርእሱ'ውን ኣብ ቪድዮ ጌም ውሉፍ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ጸገማት እዩ ሓሊፉ።
"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ሕክምና እናተምሃርኩን ናይ ተግባር ስልጠናታት ኣብ ዝወስደሉን ግዜ ን10 ዓመታት ኣብ ሰሙን ካብ 80 ክሳብ 100 ሰዓታት ቪድዮ ጌም ይጻወት ነይረ" ይብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን Hooked On Games: The Lure And Cost Of Video Games And Internet Addiction ዝብል መጽሓፍ ዝጽሓፈ ኮይኑ፡ ኢንተርነት ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት ከም ዘለውዎ ክርኣይ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
"ዲጂታላዊ ሚዲያ፡ ዲጂታል ሽኮርን ዲጂታል ኣሕምልትን ኢለ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት'የ ዝሰርዖ። እቶም ዲጂታል ኣሕምልቲ ልክዕ ከም ናይ ኦንላይን ሕክምና ኮይኖም ሰባት ጭንቀቶም ክቆጻጸሩን ንውሉፍ ባህርያት ዘቃልዖም ነገር ክንክዩን ይሕግዙ።
"እቶም ኣብ ዲጂታል ሽኮር ዝሰራዕኹዎም ከም ጌሚንግ፣ ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ከምኡ'ውን ምስ ስራሕ ርክብ ዘይብሎም ማሕበራዊ ሚዲያታት ግን ንወልፊ ዘቃልዑ'ዮም- እዚኦም ብፍላይ ካብ ጭንቀት ንምንጋፍ ብዝብል ንጥቀሞም እንተኾይንና" ክብል የረድእ።
ሕጂ ግን ኩሉ ኣብ ኦንላይን ብዙሕ ግዜ ዘሕልፍ እናኾነ እመጽእ ብምህላዩ፡ እቲ ወልፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይሰግእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካም ኣዲር ግን፡ ከም Linewize, BetBlocker ከምኡ'ውን GamBlock ዝበሉ መተግበሪታት ነቲ ጸገም ክፈትሑዎ'ዮም ኢሉ ተስፋ ይገብር።
"ኣነ ሰባት ንክሕግዙኒ ምሕታተይ ህይወተይ ኣድሒኑዎ'ዩ። ኣብ ወልፊ እናሃለኹ መታለሊ፣ ምስ ሰብ ዘይሕወስ፣ ተጓናጺ እየ ነይረ። ሕጂ ግን ሕጉስ ኮይነ ስሩዕ ህይወት ይነብር ኣለኹ" ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







