ቴክኖሎጂ፡ ፌስቡክ ስሙ ናብ ‘ሜታ’ ቀይሩ

ምንጪ ስእሊ, Meta
እቲ ዝዓበየ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ ስሙ ናብ ሜታ ከምዝቐየረ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ጎኒ ጎኒ ማሕበራዊ ሚድያ ናብ 'ቨርችዋል ሪያሊቲ' ን ካልኦት ጽላታት ቴክኖሎጅን ይኣቱ ከምዘሎ’ውን ገሊፁ።
ናይ ፌስቡክ ናይ ስም ለውጢ፡ ኣብቲ ትካል ዘሎ ለውጢ ዘርእይ እዩ ተባሂሉ።
እዚ ለውጢ ስም ካብ ምቕያር ብዝዘለለ፡ ኣብቲ ትካል እምበር ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ፌስቡክ፣ ኢንስታግራምን ዋትሳፕን ኣይተለወጠን።
ቅድም ክብል ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝነበረት ሚስጥራዊ ሰነዳት እቲ ትካል ምቅላዕ ስዒቡ ስም ፌስቡክ ብኣሉታ እዩ ዝልዓል ዘሎ።
ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃውገን፡ “እቲ ትካል ልዕሊ ድሕነት ዓማዊሉ ጥቕሙ እዩ ዘቐድም” ብምባል ብመርትዖ ንፌስቡክ ኮኒና እያ።
እቲ ትካል፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይ ፅልኢ ዘረባ፣ ስኑዕ ሓበሬታን ጎንፂ ዘለዓዕሉ መልእኽትታን ከምዘይገትአ ምግላፃ ይዝከር።
ፌስቡክ፡ ኣብ ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ብእንግሊዘኛ ካብ ዝፀሓፉ ወፃኢ ናይ ፅልኢ ዘረባታት ክገትእ ብዘይምኽኣሉ ይኹነን።
ኢንስታግራም’ውን ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ይጸሉ ከምዘሎ ልሒኾም ዝወፅኡ ሰነዳት ተረኺቦም’ዮም።
ፌስቡክ ግና፡ እቶም ልሒኾም ዝወፅኡ ሰነዳት ትኽክለኛ ገፅታ ኣየርእን ክብል ነፂግዎ።
ሓላፊ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ንሓድሽ ስም ትካሉ እንከፋልጥ ‘ሜታቨርስ’ ዝተብሃለ ኣሰራርሓ ከምዝጅምሩ ወግዓዊ ጌሩ።
ሜታቨርስ ሰባት ምስ ቨርችዋል ሪያሊቲ (ምስ ጋህዳዊ ዓለም ኣብ ዝቀራረብ ዲጂታላዊ ዓለም) ውሽጢ ኮይኖም ክሰርሑ፣ ምስ ሰባት ክዘራረቡን ጌም ክፃወቱን የኽእሎም።
ፌስቡክ፡ ሕዚ ዘለዎ ስም ነዚ ኣሰራርሓን ንቐፃሊ ዝተለሞም ፕሮጀክታት ስለዘይገልፅን፡ ናይ ስም ለውጢ ከምዘድለየ፡ ማርክ ዙከርበርግ ተዛሪቡ።
“ኣብ ግዘ ከይዲ ትካል ሜታቨርስ ምዃና ክግንዘቡ እዮም ኢለ እኣምን። ሕዚ ዘለዉና ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ኣብ ቀፃሊ ምስ ንጅምሮም ፕሮጀክታት ዝገልፅ ሓድሽ ስም ክንሕዝ ኣለና” ኢሉ።
ፌስቡክ ቅድሚ ሕዚ ዝፍለጠሉ ዓባይ ኣፃብዕቲ (ምልክት ላይክ) ምስሊ’ውን ቀይሩ።
ሜታ፡ ቃል ግሪኽ እንትኾን፡ ‘ልዕሊ’ ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
ፌስቡክ ኣገልግሎት ቨርችዋል ሪያሊቲ ክጅምር እየ ብዝብል ስሙ ከምዝቐየረ እኳ እንተገለፀ፡ ዝፀለመ ስሙ ንምፅራይ እዩ ዝብል ነቐፌታት ይስማዕ ኣሎ።
ሜታ ዝብል ቃል ልዕሊ ናይ ፌስቡክ ስም ዝያዳ ኣይስማዕን ዝብል ርኢቶ ዝህቡ’ውን ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







