ኣብ ኢስዋቲኒ ሓካይም ንፖሊስ ኣይንሕክምን ክብሉ ኣዲሞም

ተቃውሞ ኢስዋቲኒ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኢስዋቲኒ ሓካይም ንፖሊስ እታ ሃገር ኣይነተኣናግድን ክብሉ ነጺጎም። ምኽንያቶም ድማ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ንስርዓተ ዴምክራሲ ብዝተገበረ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ሓካይም ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሶም ጥይት ስለዝተጎድኡ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ኣብታ ሽማ ካብ ስዋዚላንድ ናብ ኢስዋቲኒ ዝቐየረት ብፍጹም ንጉሳዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ተቓውሞታት በርቲዖም ኣለዉ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተወልዐ ዕግርግር ድማ ከም ፌስቡክ ዝኣመሰሉ ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎታት ንግዚኡ ተዓጽዮም ኣለዉ። ሓይልታት ጸጥታ ኢስዋትኒ ነቶም ተቛውሞታት ንምብታን ጠያይቲ ተጠቒሞም እዮም ንዝብል ክሲ ዝነጸገ መንግስቲ እታ ሃገር: ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሰለማዊ ሰልፍታት ኣጊዱ’ሎ።

“ናብ ሓካይም ተተኵሱ’ዩ ዝብል ጸብጻብ የብልናን” ክብል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ተዛሪቡ።

ኣስዒቡ ድማ “ፖሊስ ሰላምን ሕግን ንምርግጋጽ ኣብ ጎደናታት ኣለዉ። ከም ድሌትካ ምትኳስ ዝበሃል ነገር የለን” ድሕሪ ምባል ኢስዋትኒ ብሰላምን ምርድዳእን ዝተመስረተት ሃገር ከምዝኾነት ጠቒሱ።

ሓካይም ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሰለስተ ሆስፒታላት ተቛውሞ ኣካይዶም።

ማዕኸን ዜና ስዋዚ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ: ሓካይም ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መደብር ጥዕና ንህላንጋኖ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ሰብ ሞያ ጥዕና ምስ ካልኦት መንግስታውያን ሰራሕተኛታት ኮይኖም ዝሓሸ ህይወት ንጠልብ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ፊርማ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ከብጽሑ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ዘይተገመተ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከምዝተወሰዶም ማሕበር ሓካይም ንዴምክራሲ ስዋዚላንድ ኣፍሊጡ።

በቲ ካብ ፖሊስን ሰራዊትን ኢስዋትኒ ዝተኸፈተ ተኹሲ: 30 ሓካይን ከምዝተጎድኡን ሓደ ድማ ከምዝተቐተለን እቲ ማሕበር ወሲኹ ገሊጹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓካይም ብሓድነት ደው ክብሉን ንፖሊስ ከይሕክሙን ጸዊዑ።

ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዌልካም ምድሉሊ ውሳነ እቶም ሓካይም ኣንጻር ሕክምናዊ ሞያ ከምዝኾነ ዝኣመነ ኮይኑ እንተኾነ ግን ኣባላት እቲ ማሕበር ንፖሊስ ከምዝፈርሑ ተዛሪቡ።

“ፖሊስ ኣብ ውሽጢ መደብር ጥዕና ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝተኮሰ ጸብጻብ በጺሑና’ዩ፤ ንፈርሖም ከኣ ኣለና” ዝበለ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ቅድሚ እቲ ፖሊስ ኣይንሕክምን ዝብል ኣድማ ምብቅዑ ድሕነት ሓካይም ውሑስ ከምዝኸውን መረጋገጺ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ንደሊ ኢና ኢሉ።

ጉጅለ ልኡኽ ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ንጉስ እታ ሃገር ምስዋቲ ሳልሳይን ናይቲ ንዴሞክራሲ ዝድግፍ ምንቅስቓስ ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት ንምርካብን ኣብ ኢስታዊኒ ይርከብ።

“ካብ ኢስቲዋኒ ዝወጽኡ ዘለዉ ስእልታት ዝርብሹ’ዮም፤ ፖለከካዊ ሙቐት እታ ሃገር ክንደየናይ ዝኣክል ውዒዩ ከምዘሎ ዘመላኽት’ዩ” ክብል ናይቲ ጉጅለ ልኡኽ መራሒ ጀፍ ራዴብ ገሊጹ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ነቲ ብተምሃሮን ሰራሕተኛታት መጓዓዝያን ዝተወልዐ: መራሕቶም ባዕሎም ንኽመርጹ ዘፍቅደሎም ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ክግበር ዝጽውዕ ማዕበላዊ ሰለማዊ ሰልፍታት ተጸምቢሮም።

ናይ ተምሃሮ ተቛውሞ ኣብያተ ትምህርቲ ኢስትዋኒ ንዘይተፈልጠ እዋን ንኽዕጾ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንተንዮ ጉተሬዝ ንምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር ነቒፍዎ።