ኣባል ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ንገንዘብ ክትብል 5 ኣባላት ስድራኣ ምቕታላ ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣባል ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኖምያ ሮዝሜሪ ድሎቩ ኣብ ናይ መወዳእታ መስርሕ ቤት ፍርዲ ሓሙሽተ ኣባላት ስድርኣን ንሕጹያን ከምዝቐተለት ስለዝተረጋገጸ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ።
እቶም 6 ግዳያት ካብ 2012 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ዓመታት ከምዝተቐተሉ ዝተገለጸ ኮይኑ መብዛሕትኦም ብሓገዝ ብገንዘብ ተዓሲቦም ሰባት ዝቐትሉ ወድንታት ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ’ሎ። ካብቶም ዝተቐትሉ መቕርባታ ናይ ህይወት መድሕን ክፍሊት ንምርካብ ብምዕላም እቲ ገበን ከምእትፍጽሞ ተፈሊጡ።
እታ ጓል 46 ዓመት ኣባል ፖሊስ ነበር: ሓፍታ ንኽተቅትል ሓሲባ ንሓደ ወዲ ክቐትለላ ምስቆጸረቶ ንሱ ድማ ንፖሊስ ስለዝሓበረ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወት። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ድማ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ክወሃባ’ዩ።
ድሎቩ ኣብ ፈተነ ቅትለት ኣዲኣ ማርያ ሙሽዋና ከምኡ’ውን ብናይ መድሕን ምትላል ኣስታት 95 ሽሕ ዶላር ገበነኛ ኮይና ተረኺባ።
ኣብቲ ኣስታት 3 ኣዋርሕ ዝወሰደ ናይ ፍርዲ ከይዲ ንሳ ስውር ብዝኾነ መገዲ ነቶም ኣዝማዳ ናይ ህይወትን ስርዓተ ቀብርን መድሕን ተውጽኣሎም እሞ ድሓረ ተቕትሎም ከምዝነበረት ዐቃቢ ሕጊ ኣረጋጊጹ።
ንፈለማ እዋን ዘቕተሎቶ ወዲ ሓወቡኣ ዊትነስ ማዳላ ሆሙ ኮይኑ ኣብ 2012 ወርሒ መጋቢት’ዩ ነይሩ። ቀጺላ ንሓፍታ፣ ሕጹያ፣ ጓል ሓፍታን ክልተ ደቂ ሓዋን ኩላቶም ተቐቲሎም።
እቲ ናይ መወዳእታ ግዳይ መቕተልቲ ዝኾነ ድማ ረሪላንት ማሸጎ ኣብ 2018 ወርሒ ጥሪ ተቐቲሉ።
መብዛሕቲኡ ግዜ ናይ ቅትለት ንጥፈታታ ንምፍጻም ቀተልቲ ወድንታት ቆጺራ እያ እተካይዶ። ኣብ 2013 ንሓፍታ ኣዱረይ ሶሚሳ ግን ብስሚ ገይራ ቀቲላታ።
እታ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኣብ 2018 ንካልእ ሓፍታ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ክትቀትል ምስ ሓደ ወዲ ክተወዓዓል እንከላ ግን እቲ ወዲ ብዛዕባ እቲ ውጥን ንፖሊስ ስለዝሓበረ ን6 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ቅትለት መደባ ፈሺሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ክትኣቱ ተገዲዳ።
እቲ ዝቖጸረቶ ወዲ ብዛዕባ እቲ ዝወጠነቶ መደብ ብምስጢር ክቐድሓ ምስ ፖሊስ ተረዳዲኡ ኣቃሊዕዋ። ድሎቩ ኣብቲ ብምስጢር ዝተቐድሐ ድምጺ እቶም 6 ደቂ ሓንቲ ስድራ ብኸመይ ብህይወቶም እንከለዉ ክቃጸሉ ከምዘለዎምን እቲ ገንዘብ ከምዘድልያን ተውግዕ።
ንሳ ክስስቲ ኮይና ክሳብ ድሓረ ገበነኛ ምዃና ዝረጋገጽ እቲ ገበን ከምዘይወዓለቶን ንቶም 50 መሰኻኽር ሓሰውቲ ከምዝኾኑን ክትገልጽ ጸኒሓ።
ዓቃቢ ሕጊ ግን ምስቶም ግዳያት ዝነበራ ዝምድናን ምስተቐተሉ ድማ ዝተረብሓቶ ነገራትን ብመረዳእታ ዝተደገፈ መርትዖ ኣቕሪቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







