ነፈርቲ ካብ ሰማይ ቀልቀል ይኽዕዋ ድየን: ማዕረ ኽንደይ’ከ እቲ ቐልቀል ክፈሰና ይኽእል?

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣይረድ እዩ ግን ከኣ ዝወረዶ ሰብ ኣሎ። ቀልቀል ሰብ እትረፍ ካብ ሰማይ ክፈሰካ ካብ ሽንቲ ቤት ክሽትተካ ዘጸይን እዩ። ኣብ ከባቢ ሂትሮ ዝነብር ሓደ ኢንግሊዛዊ ግን ንዓይ ኣጋጢሙኒ ይብል ኣሎ። እቲ ጉዳይ ግን ብኸመይ እዩ ኮይኑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ኣታኽልቱ እናተዘናገዐ ካብ ሓንቲ ትሒታ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ቀልቀል ሰባት ፈሲሱዎ። ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እዩ እቲ ኩነት? ንሕና’ኸ ማዕረ ክንደይ ግዳያት ክንከውን ንኽእል?

መብዛሕትኡ ግዜ እንግሊዛውያን ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ይግደሱ እዮም። እንተኾነ ሓደ ብሸነኽ ምዕራብ ለንደን ኣብ እትርከብ በርክሼር ዝቕመጥ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሰማያት ዘተሓሳስቦ ነገር ኣለዎ።

እቲ ፍጻሜ ኣብ መፋርቕ ሓምለ እዩ ኣጋጢሙ። እንተዀነ ቤት ምኽሪ ናይቲ ከባቢ ተኣኪቡ ክሳብ ዝዝቲ እቲ ዛንታ ከይተነግረ ጸኒሑ።

ኣባል ቤት ምኽሪ ካረን ደቪስ፡ ኣብቲ ሮያል ዊንድሶርን ማይደንፕን ዘዳለዎ ናይ ኣቬሺን ፎረም፡ ንሓደ ካብ ወከልታ ኣብ ጀርዲኑን ነብሱን ዘጋጠሞ "ዜፍርህን ዘሰምብድን" ፍጻመ ተዛሪባ። ብዛዕባ እቲ ካብ ሰማይ ዝፈሰሶ ቀልቀል ከኣ ምስ ሕጋውያን ኣካላት ከም እተራኸበት እውን ሓቢራ።

እዚ ፍጻሜ እዚ ብኸመይ እዩ ኣጋጢሙ? ካብ ሰማይ ቀልቀል ከይፈሰና ኩላትና ንሰማይ ገጽና ቁሊሕ ክንብል ከድልየና ድዩ?

እቲ ሰብኣይ ኣብታ ብንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝውነን ዓቢ ጥንታዊ ህንጻ ዘለዋ ስምይቲ ከተማ ዊንድሶር እዩ ዝነብር። እታ ከተማ ነተን ንለንደን ዘገልግላ ሓሙሽተ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮ ጎረቤተን እያ።

እቲ ቀልቀል ዝፈሰሶ ሚስተር ደቪስ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት፡ ካብ ነፈርቲ ደረቕ ቀልቀል ከምዝፈስስ ይፈልጥ ነይረ እዩ። እቲ ንዕኡ ዘጋጥሞ ግን ናይ ብሓቂ ረሳሕን ዘፈንፍንን።

“ ኣብቲ እዋን ኣብ ጀርዲኑ እዩ ነይሩ፤ ስለዚ ናይ ብሓቂ ዘሰምብድ ተመኩሮ እዩ ኣጋጢሙዎ። ተስፋ እገብር ንመጻኢ ኣብ ልዕሊ ማንም ነባሪ እዚ ከባቢና ከይድገም” ኢላ።

ጆን ባውደን እተባህለ ካልእ ኣባል ባይቶ ከኣ “ እዚ ሓደ ካብ ቢልዮን ዘጋጥም ዕድል እዩ” ክብል ገሊጹዎ። “ ኣብ ምውቕ ኩነታት ኣየር እናተዛነኻ ካብ ሰማይ ብዝፈሰሰ ጥሉል ቀልቀል ክትበላሾ ዘሕዝን እዩ” ኢሉ።

ናይ ነፋሪት ዓይኒ ምድሪ ኣብ ፍሉይ ታንከራት እዩ ዝኽዘን፡ እተን ነፈርቲ ኣብ መሬት ምስ ዓለባ ከኣ ይጓሓፍን ይጸርን። ይኹን እምበር ሰበ-ስልጣን ዓለምለኸ በረራ፡ ዓይኒ ምድሪ ነፈርቲ ኣብ ኣየር እውን ላሕኲ ክፍጠር ከም ዝኽእል ይእመኑ እዮም ።

ሬድዮ ቢ.ቢ.ሲ በርክሼር ንኪኢላ ስነ-በረራ ጁልያን ብራይ፡ እቲ ንሚስተር ደቪስ ካብ ሰማይ ዝፈሰሶ ቀልቀል ከመይ ኢሉ ክኸውን ከምዝኸኣለ ሓቲቶሞ።

"ዘመናውያን ነፈርቲ ብንፋስ ዝምጸ (ቫኪዩም) ዓይኒ ምድሪ ስለዘለወን ኣዝየን ውሑሳት እየን። እንተኾነ ኣብ መንጎ ‘ቲ መለጋግቦን መዕቆር እቲ ቀልቀል ታንከር ዘሎ መካኒካዊ ጸገም’ዩ እቲ ሽግር” ይብል ብራይ።

እንተዀነ ኩሉ ነገር 100% ኣይኮነን። እታ ነፋሪት ብእተፈላለየ ደረጃ ጸቕጢ ስለእትሓልፍ ኣብ ገሊኡ ቁሩብ ላሕኲ ክፈጥር ይኽእል እዩ።

"እታ ነፋሪት ናብ ምድሪ ክትቀርብ እንከላ ካብ ርሑቕ ብራኸ ስለእትቆልቁል እቲ ጸቕጢ ይቕየር እዩ - ስለዝኾነ ከኣ’ዩ እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ምትውሻሕ ቀልቀል ተኸሲቱ።

እዚ ግን ክሳዕ ክንደይ ልሙድ እዩ ?

"እዚ ዘሕዝን ተርእዮ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም። ቅድም ግን ብዙሕ ግዜ የጋጥም ነይሩ። ሽዑ ነቲ ሽንትን ቀልቀል ሰብን ካብ ብከላ ዝከላኸል ሰመያዊ ጸረ ብከላን ፈሳሲ ይድፈኦ ስለዝነበረ፡ ካብ ሰማይ ክወርድ እንከሎ፡ ሰባት “ሰማያዊ በረድ” ኢሎም ይጽውዑዎ ነይሮም "ይብል።

ሓደ ካብቶም ቀልቀል ሰባት ካብ ነፋሪት ከም በረድ ክወርድ ዝረኣዩ ተወላዲ ኢብረ እትበሃል ዓዲ ሚስተር ፓል ተመክሮኡ ንሬድዮ ቤርክሻየር ገሊጹ ኣሎ።

ፖል፡ "ካብ ሆስፒታል ልእልቲ ማርጋሬት እናወጻእኩ፡ ሓንቲ ናይ ካናዳ ነፋሪት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ክትዓልብ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን ትሒታ ክትወርድ እንከላ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ወይ ሰለስተ ዝኸውን ጨናፍር ኣግራብ ክፈስስ ርእየ እየ" ይብል።

ሰማያዊ ጸረ ታሕዋስ ዘርእይ ዓይኒ ምድሪ ኣብ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰማያዊ ጸረ ታሕዋስ ዘርእይ ዓይኒ ምድሪ ኣብ ነፋሪት

ፓል ካብቲ ሓደጋ ኣምሊጡ ብህይወት ምንባሩ ንሱን ደቂ በርክሻየር ብጸቱን ከም ዕድለኛ እዮም ዝቖጽሩዎ።

"እዚ ሕጂ ወርቃዊ ዝመስል ቀልቀል ዝፈሰሶ ሰብኣይ ናይ ብሓቂ ዕድለኛ እዩ። እቲ ሰማያዊ በረድ ኢልና እንጽውዖ ነገር ፈሲሱዎ እንተ ዝነብር ብርግጽ ምቐተሎ ነይሩ” ይብሉ ክኢላታት።

ናይ ብሪጣንያ ሲቪል ኣቭየሽን፡ ብ2016 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ክሊ ኣየር ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር 2.5 ሚልዮን ዓመታዊ በረራታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 25 ምፍሳስ "ሰማያዊ በረድ" ከም ዘጋጥም ብምግላጽ ከምኡ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ከም ዘጋጥም ሓቢሩ።

ኣህጉራዊ ሓደጋታት

ካብ ኣመሪካ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓደ እዋን ኣብ ምዝንጋዕ ፓርቲ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ባህ ዘየብል ፈሳሲ ቀልቀል ፈሳሲ ከም ዘጋጠመ ሓቢሮም።

ጆ ካምብራይ ዝተባህለ ካብ ሌቪታውን ንሓንቲ መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በዓለ ልደት 16 ዓመት ጓሉ ካብ ሰማይ ብዝፈሰሰ ደስ ዘየብል ሽታ ዘለዎ ፈሳሲ ከም ዝተበላሸወን ግን ዕድል ገይሮም እቲ ተተኺሉ ዝነበረ ዳሳት ንመብዛሕትኦም እቶም ዕዱማት ከምዝተኸላኸለሎም ገሊጹ።

ኣብ ጥሪ 2018 ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ኣብ እትርከብ ሃራያና እትበሃል ሓንቲ ቊሸት ናብ በረድ ዝተቐየረ ቀልቀል ሰባት ካብ ኣውሮፕላን ናብ ምድሪ ወዲቑ ።

እቲ ፋዚልፑር ባድሊ ኣብ እትበሃል ቚሸት ዝወደቐ ካብ 10-12 ኪሎ ዝምዘን በረድ ሓደ ዓቢ "ዓብዪ ጕድጓድ" ፈጢሩ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ገሊኦም ነበርቲ እታ ቚሸት፡ ካብቲ ኣብ ምድሪ ዝወደቐ በረድ መሰል ደረቕ ቀልቀል ንኣባይቶም ከምዝወሰዱ ምስምዑ ሓቢሩ።

ኣብ ታሕሳስ 2015፡ ሓንቲ ጓል 60 ዓመት ሰበይቲ ክንዲ ሓደ ኵዑሶ እግሪ ዝኸውን ሰማያዊ በረድ ካብ ሰማይ ወሪዱ ከም ዝሃረማ ኢንድያን ታይምስ ሓቢራ።

ኣብ ህንዲ ቀልቀል አዕዋፍ ወይ ርግቢ እንተዓሊቡካ ከም ጽቡቕ ዕድል እዩ ዝቑጸር። እቲ ፈለማ ኣብ ዚንጎ ዓሊቡ ዳሕራይ ተፈርኪሹ ነታ ሰበይቲ መንኩባ ዝሃረማ ከቢድ ዝበረደ ቀልቀል ብምሉኡ ኣብ ነብሳ እንተዝዓልብ ፈጺማ ኣይምደሓነት ነይራ።

ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ፡ ፋዚልፑር ባድሊ ኣብ እትበሃል ቚሸት ዝወደቐ ካብ 10-12 ኪሎ ዝምዘን በረድ

ምንጪ ስእሊ, GURGAON POLICE

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ፡ ፋዚልፑር ባድሊ ኣብ እትበሃል ቚሸት ዝወደቐ ካብ 10-12 ኪሎ ዝምዘን በረድ

ብዝሒ ሓደጋታት

ሚስተር ብራይ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ዊንድሶር ሓደጋ ቀልቀል ዘጋጠሞ ሰብን ንዓና ንኹላትናን ዝኸውንን ብስራት ኣለዎ። ግን ኩሉ ሳዕ ልዕሌና ናብ ዘሎ ሰማያት ቑሊሕ ምሊሕ ክንብልን ክንጭነቕን የብልናን።

ሰበ ስልጣን ሲቨል ኣቭየሺን፡ ነፈርቲ ናብ መዓርፎአን ኣብ ዝቐርባሉ እዋን ክገብርኦ ዘለወን ነገር ይቕይርዎ ኣለዉ ።

እተን ነፈርቲ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ እተዋህለለ ቀልቀልን ሽንትን ኣብ ክንዲ ኣብ ውሱን ቦታ ዘፍስሰሶ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ ከምዝንጸግ ዝገብር ሲይስተም የተኣታትዉ ኣለው። እዚ ማለት ከኣ እቲ ሓደጋ ኪጸብብ ግን ከኣ ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ ክመቓራሕ ክሕግዝ እዩ ይብል ብራይ።

በዚ ምኽንያት ኣብቶም ሕጂ ጎረባብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘለዉ ሰባት እቲ ሓደጋ ክንኪ እንከሎ ኣብ ገለ እቶም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቍሩብ ርሒቖም ዝነብሩ ግና ፡ ናብ ሓደገኛ ዞባ ይኣትው ኣለው ማለት እዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሚስተር ብረይ እቲ ኣብ ዊንድሶር ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ ጉብእ ካሕሳ ክሓትት ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ሚስ ደቪስ፡ (እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ) ምስታ መገዲ ኣየር ምስ ተራኸበ ፈለማ ነፋሪቶም ብእኡ ከምዘይሓለፈት እኳ እንተገለጹ ዳሕራይ ግን ብመርትዖ ከምዝተኣመኑ ሚስተር ዴቪድሰን ገሊጹ።

ኣብ ኣኼባ ባይቶ ምስክርነቱ ዝሃበ ተቐማጢ እቲ ቦታ ኣንድሪው ሆል፡ እቲ ግዳይ ግቡእ ካሕሳ ክሓትት ቅኑዕ ምዃኑ ገሊጹ።

"ትካላት ማይ፡ ናብ ሩባታት ረሳሕ ፈሳሲ ምስ ዝደፍኣ፡ ሚልዮናት ገንዘብ እየን ዝቕጽዓ፣ ሓንቲ ነፋሪት ናብ ርእሲ ሰባት ቀልቀል ምስ እትዅዑ ግን ስለምንታይ ካሕሳ ዘይትኸፍል” ክብል ይሓትት።

እንተዀነ፡ ሚስተር ደቪስ እቲ ከባቢ ተወሳኺ መድሕን ( ኢንሹራንስ) ከምዘይከፍል ይዛረብ። "ንሓደ ክልተ ሓደጋ ዘጋጥሞም ክብል ንመድሕን ብዙሕ ገንዘብ ክኽፈል ኣይግባእ” ይብል።

ቢቢሲ፡ ሓሳብን ርእይቶን በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ዓዲ-እንግሊዝ ክሰምዕ እኳ እንተሓተተ ንሓያሎ መዓልታት መልሲ ኣይረኸበን።

ካልእ ብዛዕባ እዚ ሕማቕ ነገር እዚ ክዛረብ ዘይደሊ ምንጪ ተመሳሳሊ ተሞኩሮ ኣለዎ። ይኹን እምበር ኣብ ጋዜጣታት ታብሎይድ ብሪጣንያ ተዛሪቡ ነቲ ነገር ከሰራስሮ ኣይደለየን።

ብሪጣንያውያን ብዛዕባ እቲ ካብ ሰማይ ዝፈስስ ነገራት ናይ ምምይያጥ ድሌቶም ድሩት እዩ ዝመስል ።