ኣቕራቢ ፎክስ ኒውስ "ን10 ዓመታት ኢደይ ተሓፂበ ኣይፈልጥን" ክብል ተዛሪቡ

ፒተር ሀግሰት ኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፒተ ሀግሰት ኣብ ተለቪዥን ፎክስ ኒውስ ፍሉጥ ኣቕራቢ እዩ

ኣቕራቢ ቴለቪዥን ፎክስ ኒውስ ፒተ ሀግሰት፡ ን10 ዓመታት ኣእዳዉ ተሓፂቡ ከም ዘይፈለጥን ኣብ ፈነወ ኣሚኑ። "ጀርምታት ህልዋት ነገራት ኣይኮኑን" ድማ ኢሉ።

ንሱ፡ እዞም ኣዝዮም ደቀቕቲ ዝኾኑ ረኽሲ ዝፈጥሩ ህዋሳት ብዓይንኻ ክረኣዩ ስለ ዘይክእሉ፡ ህልዋት ከም ዘይኮኑ ተዛሪቡ።

ሀግሰት ነዚ ክኣምን ዝኸኣለ፡ መሳርሕቱ ዝኾኑ ኤድ ሄንሪን ጀዲዳ ቢላን፡ ተረፍ ፒዛ ፒዛ ብምብልዑ ክቕልድሉ ምስ ጀመሩ እዩ።

"ናይ 2019 ውሳነይ ነቶም ካብ ፈነወ ወፃኢ ዝዛረቦም ነገራት ኣብ ቀጥታ ፈነወ ምዝራብ'ዩ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

እዚ ዘረብኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክቐርቡ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space
Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational white space

ፀኒሑ ኣብ 'ዩ ኤስ ኤ ቱደይ' ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ እቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ንቐልዲ ከም ዝነበረ ገሊፁ'ዩ።

"መፅረዪ ኢድ (ፀረ ባክተርያ) ዝመልኡ ንኣሽቱ ብልቃጣት ኣብ ቦርሳ ሒዞም ኣብ ሞንጎ ዝዘሩ ማሕበረሰብ ኢና ንነብር። ህይወቶም ዘትርፉ ይመስሉ ኣብ መዓልቲ 19,000 ግዜ የፅርዩ" ኢሉ።

"ንነብሰይ እሕሉ እየ፤ ይኹን ደኣ'ምበር ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ነገራት ክሳብ ክንድኡ ክጨናነቕ ኣይደልን" ክብል ሓቢሩ።

ሰባት ንዘረብኡ ዝተረድኡሉን መልሲ ዝሃቡሉ ኩነታትን ግን ከም ዘገረሞ ክሓብእ ኣይደለየን።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ማእከል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ከም ዝበሎ፡ መዓልታዊ ኢድ ምሕፃብ "ረቀቕቲ ህዋሳት (ጀርምታት) ንምውጋድ ዝሕግዝ ብሉፅ መገዲ ኮይኑ፡ በዚ ድማ ሕማማት ምክልኻልን 'ጀርምታት' ከይበዝሑ ንምቁፅፃርን ይሕግዝ"።

ሓደ ግራም ኣብ ዝምዘን ቀልቀል ሰብ፡ ክሳብ ሓደ ትሪልዮን ጀርምታት (ረቂቕ ህዋሳት) ከም ዝርከቡ ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ይሕብሩ።

ኢድ ብዘይምሕፃብ ክዝርግሑ (ክስፋሕፍሑ) ካብ ዝኽእሉ ባክተሪያታት ድማ ሳልሞኔላን ኢ ኮላይን ይርከብዎም።