ሕሱም ጓሂ ንኣእምሮ ይጎድእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውላድካ ብሞት ምስኣን፡ ፍትሕን ካብ ስራሕ ምብራርን ዘኣመሰሉ ሕማቕ ተጓንፎታት ንኣእምሮ ሓደ ሰብ ብኣርባዕተ ዓመት ንድሕሪት ከምዝጎቶን ከምዘድክሞን ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ ኣብ ዘካየዱዎ መፅናዕቲ ኣረጋጊፆም።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ክሊ 50 ዕድመ ንዝርከቡ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰባት ናይ ምዝካርን ናይ ምሕሳብን ክእለቶም ብምፍታሸ እዮም መፅናዕቶም ኣካይዶም።
ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ፥ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣልዛይመር ዝቐረበ እንትኸውን፥ እዚ ተጓንፎ ምስ ሕማም ምርሳዕ ዝህልዎ ዝምድና ግና ብዕሊ ኣይተነፀረን ተባሂሉ።
እቲ መፅናዕቲ ዋላ'ኳ ኣብ መንጎ ጓህን ሕማም ምርሳዕን ዝህሉ ዝምድና ዘይፈተሸ እንተኮነ፥ ከምዚ ዝዓይነቶም ዘይተሓስቡ ተጓንፎታት ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ምዝካር ዓቕሚ ውዲ ሰብ ፅዕንቶ ምፍጣሩ ከምዘየተርፍ የመላኽት።
ዊስኮንሲን ብዝተብሃለ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ዝተሳለጠ እዚ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ፥ ፀለምቲ ኣሜሪካዊያን ነቲ ሓደጋ ምህሳይ ኣእምሮ ብበዝሒ ዝተቓለዑ ኾይኖም ተረኺቦም።
ብሕሱም ጓሂ ዝመፅእ ድኽመት ኣእምሮ ንደቂ ሰባት ትምህርቲ ናይ ምቕባል ክእለቶም፥ ናይ ምዝንጋዕ ድሌቶም ከምኡውን ካልእ ናይ ጥዕና ሃልክን ከምዘስዕበሎም እቲ መፅናዕቲ ይሕብር ።
ምስ ሕሱም ጓሂ ተተሓሒዙ ዝመፅእ ናይ ኣእምሮ ምህሳይን ሕማም ምርሳዕን ብዝያዳ ዕድመ ኣብ ዘደፍኡ ሰባት እዩ ዘጋጥም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራሕ፡ ኣስታት 850 ሺሕ ሰባት በቲ ሕማም ዝሳቐዩ እንትኾኑ ካብ መንጎኦም እቶም 42 ሺሕ መናእሰይ ምኳኖም ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልፅ።
ኣብ ትካል ሕማም ምርሳዕ እንግሊዝ ሓላፊ ክፍሊ መፅናዕቲ ዝኾኑ ዶክተር ካሮል ሮትሌጅ ኣብ ልዕሊ ኣእምሮ መፅናዕቲ ዘካይዱ ተመራመርቲ ብዙሓት ነገራት ኣብ ግምት ከእትዩ ከምዝግባእ ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







