ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ስለምንታይ ካብ ፌስቡክ ተኣጊዱ?

ኣርማ ፌስቡክ ኣብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌስቡክ ንሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝኣገዶ ኣፍሊጡ። እቲ ኩባኒያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብመሰረት 'ሓደገኛ ትካላት' ብዝብል መምርሒ ከም ዝኾነ ገሊጹ።

"ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ 'ሓደገኛ ትካላት' ብፍላይ ድማ 'መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ዝፈጥሩ ኣካላት' ብዝብል ፖሊሲ'ዩ ተኣጊዱ" ክብል ወሃቢ ቃል ኩባኒያ ፌስቡክ ብጽሑፍ ንቢቢሲ መልሲ ሂቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ራዕዳዊ ጉጅለ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ምዕራብ፣ ማእከላይን ደቡብን ኦሮሚያ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ከም ዘካይድ ይግለጽ።

ፌስቡክ ነዚ ጉጅለ ካብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ምእጋዱ ብሽም እቲ ሰራዊት ወይ'ውን ንዕኡ ወኪሎም ዝኽፈቱ ወይ ዝተኸፍቱ መጠቀሚታት ፌስቡክ ቐጻልነት ክህልዎም ዝፈቅድ ኣይኮነን።

"ነዚ ጉጅለ ድጋፍ ዝህብ ኣካል ወይ ነቲ ዝፈጥሮ ናዕቢ ዝንእድ" ትሕዝቶ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጠፍእ ይግበር።

እቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝበሎ ፌስቡክ ንዝኾነ ትካል ቅድሚ ምእጋዱ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ምስ ዘለዎም ሰብ ሞያ ብምዃን ዝርዝር ስርዓታት ከምዝኽተል ገሊጹ።

ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ እዚ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት "ድምጺ ህዝቢ ኦሮሞን ካልኦት ውጹዓት ህዝብታትን ንምዕፋን" ዝተኻየደ ፕሮፖጋንዳ ዘሕደሮ ጸቕጢ'ዩ ኢሉ።

ወሲኹ ኣብታ ሃገር ዘለው ካልኦት "ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ጨፍጫፋትን ዝፈጸሙን መረዳእታ ክቐርበሎም ዝኽእልን ጉጅለታት" ብነጻነት ፌስቡክ እናተጠቐሙ ንሰራዊት ግንባር ኦሮሞ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክእገድ ምግባሩ "ፖሊሲ ፌስቡክ ዝኾነ ኣካል ጸቕጢ ከም ዝገብረሉ ግልጺ'ዩ" ኢሉ።

ፖሊሲ 'ሓደገኛ ትካላትን ውልቀሰባትን' ፌስቡክ

እዚ ፖሊሲ፡ ናይ ጽልኣት ጉጅለታት ሓዊሱ ገበናት ዝፍጽሙ ትካላትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ዝምልከት እዩ።

ፌስቡክ፡ መንግስታዊ ዘይኾኑ ናዕቢ ፈጠርቲ ኣካላት [ቫዮለንት ነን-ስቴት አክተርስ] ዝብሎ ፖሊሲ ኣብ ትሕቲ ሓደገኛ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝብል ፖሊሲ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ይርከብ።

እዚኦም፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ዝፈጥሩ ኣካላት ብጠቕላላ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገብሩ ግን ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰራዊትን ናዕቢ ዝፈጥሩ'ዮም ክብል ይገልጾም።

ኣባላት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ

ምንጪ ስእሊ, @ODAATARBIIWBO

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ

ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ኩባኒያ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኾነ ፌስቡክ 'መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ዝፈጥሩ ኣካላት' ኢሉ ኣብ መዝገብ ከስፍር እንከሎ ኣካውንት ናይቲ ጉጅለን ንዕኡ ዝድግፍ ትሕዝቶ ዘለዎምን ከምኡ'ውን ኣባላቱ ካብ ፌስቡክ ከጥፍኦም'የ ይብል።

ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰባት እቲ ጉጅለ ዝፍጽሞ ናይ ሓይሊ ተግባራት ከይንኣዱ ዘለዎም ድጋፍ ክገልጹ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር ሰባት ኣብ ፌስቡክ ዝዝርግሑዎም ትሕዝቶታት ዕላምኦም ግልጺ እንተዘይኮይኑ ግን ነቲ ጉጅለ ዝምልከት ትሕዝቶ ካብቲ ገጽ ክእለ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ኣሸበርቲ ጉጅለታት

ፌስቡክ ንከም ኣልቃዒዳን ኣይኤስን ዝበሉ ጉጅለታት ኣሸበርቲ ይብሎም።

ኣሸበርቲ ጉጅለታትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ዝፈጥሩ ኣካላትን ብምንታይ ይግለዩ ንዝብል ሕቶ ፌስቡክ መብርሂ ሂቡሉ ኣሎ።

ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ስጉምቲ ሓይሊ ይፍጽሙ ወይ ንክውሰድ ጻውዒት የቕርቡ።

መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ፈጠርቲ ኣካላት ድማ ብጠቕላላ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገብሩን ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰራዊትን ናዕቢ ዝፈጥሩ'ዮም ኢሉ። እዚኦም ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ክነጥፉ ኣየፍቅድን። ይእገዱ።

ብመሰረት ስታንዳርድ ኮሚኒቲ ፌስቡክ [መምርሒታት ኣጠቓቕማ] እቶም ትሕዝቶታት ከም ዝጠፍኡ ይጠቅስ።

ምምጓስ፡ ብዛዕባ ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብእወንታ ምዝራብ ወይ እቲ ጉጅለ ዝወስዶም ስጉምታት ከም ዓወቲ ዘርዚርካ ኣብ ፌስቡክ ምጽሓፍ እዩ፤ እዚ ኣይፍቀድን።

ምውካል፡ ነቲ ጉጅለ ዝውክል ወይ ይውክሎ'የ ኢሉ ዝተኸፍተ ገጽ፣ 'ፕሮፋይል'፣ ፍጻመ [ኢቨንት] እቲ ጉጅለ ይጠፍእ።

ንኣብነት "ቀንዲ ኣባል ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ'የ" ዝብል ትሕዝቶ ይጠፍእ።

ድጋፍ፡ ነቲ ጉጅለ ናይ ገንዘብ ወይ ንዋይ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ወይ ድጋፍ ንምግባር ከምኡ'ውን ኣባላት ንምምልማል ዝልጠፉ ትሕዝቶታት'ውን ይእለዩ። ንኣብነት "ንሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኣወፍዩ" ዝብል ትሕዝቶ

ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝብል ሰልፊ ተነጺሉ ዝወጽአ ናይ ሰራዊት ክንፊ ከም ዝኾነ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድ የመልክት።

በዚ መሰረት ፌስቡክ ኣርማ እቲ ጉጅለ ፈሊይዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ 'ወራነ ቢሊሱማ ኦሮሞ' ብዝብል ዝፍለጥ ነቲ ጉጅለ ብምምራሕ ካብ ሞንጎ ዝፍለጡ ሰባት ድሪባ ኩምሳ [ጃል መሮ] ከም ዝኾነ ፌስቡክ ይገልጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብመምርሒ ፌስቡክ ዘይተቐየዱ ዝተፈላለዩ መልእኽታት ዘሕልፉ ብዙሓት ጉጅለታትን ውልቀሰባትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ፈጠርቲ ኣካላት ብዝብል ወይ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ተኻቲቶም እገዳ ከም ዝተገብረሎም ወሃቢ ቃል እቲ ኩባኒያ ሓቢሩ።