ፌስቡክ ‘ሞተይ ብቐጥታ ከመሓላልፍ እየ’ ንዝበለ ሰብ ኣጊዱ

ሞቱ ብቐጥታ ክተሓላልፍ ዝፈተነ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብዘይድሕን ሕማም ዝተትሓዘ ፈረንሳዊ ሰብኣይ፡ ‘ሞተይ ብቐጥታ ኣብ ፌስቡክ ከመሓላልፎ እየ’ ብምባሉ ፌስቡክ፡ ኣጊድዎ።

ኣሌይን ኮክ ዝተብሃለ እዚ ወዲ 57 ዓመት ውልቀሰብ፡ ኣብዛ ልዕሊ ምድሪ ዘላቶ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጻንሒቱ ብቐጥታ ብፌስቡክ ከመሓላልፋ እዩ ወሲኑ ነይሩ።

እቲ ስብኣይ ትማሊ ቀዳም እዩ ከምኡ ክገብር ወጢኑ ነይሩ።

እቲ ሰብኣይ ምግቢ፣ መድሓኒት ኮነ ዝኾነ ዝስተ ነገር ደው ብምባል እዩ ሞቱ ብምቅልጣፍ ህይወቱ ክትሓልፍ ወሲኑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ቅድም ክብል እቲ ውልቀሰብ ‘ዝቐትል መድሓኒት ይወሃበኒ’ ኢሉ ንዝጸሓፈሉ ደብዳበ ሓዘኑ ገሊጹ፡ ነቲ ሕቶኡ ግን ከምዝነጸጎ እዩ ዝዝረብ።

ኮክ፡ ብዘይድሕን ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት፡ ህይወቶም ብፍቓዶም ከሕልፉ፡ ፈረንሳይ ክትፈቅድ ኣለዋ ኢሉ እዩ ዝካታዕ።

ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ሓዊሱ፡ ካልኦት ብፍላይ ትካላት ሃይማኖት ድማ፡ ብሰንኪ ሕማም ንባዕልኻ ምቕታል፡ ናይ ሞራል ውድቀት እዩ ኢሎም ስለዝኣምኑ፡ ክፍቀድ ከምዘይብሉ ይካትዑ።

ክሳብ መዓስ እዩ ተኣጊዱ?

ኮክ፡ ኣብ ፌስቡክ ገጹ “ነጻ ዝወጽአሉ እዋን በጺሑ እዩ። እመኑኒ ሕጉስ እየ” ዝብል ጽሑፍ እዩ ጠቂዑ ነይሩ።

እቲ ውልቀ ሰብ፡ ናይ መወዳእታ ዝበሎ ምግቢ ትማሊ ንጎሆ ቀዳም በሊዑ።

“እቶም ዝቕጽሉ መዓልታት ከምዝኸብዱኒ እፈልጥ እየ። ይኹን’ምበር ውሳነይ እዚ እዩ። ኣብ ህዱእ ኩነታት እየ ዝርከብ” ድማ ኢሉ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ፌስቡክ፡ ህይወቱ ክሓልፍ እንተሎ ብቐጥታ ከመሓላልፍ ኣይፈቐደሉን።

“እቲ ውልቀሰብ ሓሳቡ ብተግባር ንምፍጻም ምፍታኑ ነድንቕ እንተኾና’ኳ፡ ንሰብ ሞያ ኣዛሪብና ሕቶኡ ነጺግናዮ ኣለና” ኢሉ።

ሕገ-ደንቢ ፌስቡክ ንርእስኻ ምጥፋእ ኣይድግፍን- ይብል።

ኮክ ግን፡ ፌስቡክ ንሕቶኡ ውድቂ ዝገበሮ ክሳብ ጳጉሜን 3/2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጥራሕ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ፈተውቱ ኣብ ልዕሊ ፌስቡክ ጽዕንቶ ክፈጥሩ ድማለበዋ ኣቕሪ ኣሎ።