ኑራ ሑሴን፡ ተበይንዋ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ተሰሪዙላ

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International
ኣብ ሱዳን፡ ፆታዊ ዓመፅ ንዘብፀሓላ ሰብኣያ ብምቕታላ ሞት ተፈሪድዋ ዝነበረት ኑራ ሑሴን እቲ ብይን ተሰሪዙላ ክብል ጠበቓኣ ተዛሪቡ።
ጓል 19 ዓመት ኑራ ሑሴን ኣብ ክንድኡ ማእሰርቲ 5 ዓመት ተፈሪድዋ።
ኣዲኣ ድማ ሂወት ጓላ ክድሕን ምኽኣሉ ከምዘሐጎሳ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ናይ ዓለምና ፍሉጣት ሰባት 'ፍትሒ ንኑራ' ብምባል ካብ ማእሰርቲ ክትፍታሕ ጎስጓስ ከካይዱ ፀኒሖም'ዮም።
እስላማዊ ቤት ፍርዲ ንሰብኣያ ዓብዱልራሕማን ሓማድ ኮነ ኢላ ቀቲላቶ እያ ብዝብል ክሲ ዝሓለፈ ወርሒ ብማሕነቕቲ ክትቅተል ብይን ኣሕሊፉ ነይሩ።
ኑራ ሰብኣያ ክደፍራ ከሎ መቕርባቱ ድማ ፀቂጦም ከምዝሓዝሉ ተዛሪባ'ያ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ተመሳሳሊ ዓመፅ ኣብ ልዕሊኣ ክፍፅም ምስፈተነ ግን ብኻራ ስለዝወግኣቶ ህይወቱ ሓሊፋ።
ኑራ ገና ጓል 16 ዓመት እናሃለወት'ያ ተገዲዳ ዝተመርዓወት። በዓል ገዝኣ ግን ካብኣ ብ16 ዓመት ይበልፃ ነይሩ።
ትካል መድሕን ህፃናት (ዩኒሴፍ) ኣብ 2017 ዘውፅኦ ፀብፃብ ከምዘመልክቶ ኣብ ሱዳን ሓደ ካብ ሰለስተ ደቀ-ኣንስትዮ ዕድሚኤን ገና 18 ዓመት ከይመልኣ ይምርዓዋ።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ንውሳነ ቤት ፍርዲ ስዒቡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ብጣዕሚ ዘሕጉስ ዜና" ክብል ገሊፅዎ።
እቲ ትካል በቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ እውን ግን ከምዘይተሓጎሰ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሱዳን ኣብ ሕጊ መርዓን ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፍፀሙ ዓመፃትን ብዝምልከት ዘለዋ ሕጊ ደጊማ ክተማሓይሽ ፀዊዑ።
"ግዳያት ኣይኮናን ክቕፅዓ ዝግበአን" ይብል።

ኣዲኣ ንኑራ፡ ዘይነባ ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብኦ ቃል፡ ጓለን ብሰብኣያ ኣብ ዝተደፈረትሉ እዋን "ንገዛእ ርእሳ ፀሊኣ" ከምዝነበረት ተዛሪበን።
"ደጊሙ እንተተንኪፍዋ ዓርሰ ቅትለት ክትፍፅም ካራ ኣዳልያ ነይራ" ኢለን።
በዓል ቤታ ምስሞተ እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ንምክትዛብ ናብ እንዳ ወለዳ'ያ ከይዳ።
ብድሕሪኡ ኣብ ልዕሊኦም ክፍፀም ዝኽእል ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባር ዘስግኦም ወላዲኣ ድማ ንኹሎም ኣባላት ስድራ ሒዙ ናብ ፖሊስ ከይዶም።
ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስወዓለት ብደተጃ ዓለም ዘዘራረበ ዛዕባ ኮይኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







