ኑራ ሑሴን፡ ተበይንዋ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ተሰሪዙላ

ኑራ ሑሴን

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International

ኣብ ሱዳን፡ ፆታዊ ዓመፅ ንዘብፀሓላ ሰብኣያ ብምቕታላ ሞት ተፈሪድዋ ዝነበረት ኑራ ሑሴን እቲ ብይን ተሰሪዙላ ክብል ጠበቓኣ ተዛሪቡ።

ጓል 19 ዓመት ኑራ ሑሴን ኣብ ክንድኡ ማእሰርቲ 5 ዓመት ተፈሪድዋ።

ኣዲኣ ድማ ሂወት ጓላ ክድሕን ምኽኣሉ ከምዘሐጎሳ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ናይ ዓለምና ፍሉጣት ሰባት 'ፍትሒ ንኑራ' ብምባል ካብ ማእሰርቲ ክትፍታሕ ጎስጓስ ከካይዱ ፀኒሖም'ዮም።

እስላማዊ ቤት ፍርዲ ንሰብኣያ ዓብዱልራሕማን ሓማድ ኮነ ኢላ ቀቲላቶ እያ ብዝብል ክሲ ዝሓለፈ ወርሒ ብማሕነቕቲ ክትቅተል ብይን ኣሕሊፉ ነይሩ።

ኑራ ሰብኣያ ክደፍራ ከሎ መቕርባቱ ድማ ፀቂጦም ከምዝሓዝሉ ተዛሪባ'ያ።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ተመሳሳሊ ዓመፅ ኣብ ልዕሊኣ ክፍፅም ምስፈተነ ግን ብኻራ ስለዝወግኣቶ ህይወቱ ሓሊፋ።

ኑራ ገና ጓል 16 ዓመት እናሃለወት'ያ ተገዲዳ ዝተመርዓወት። በዓል ገዝኣ ግን ካብኣ ብ16 ዓመት ይበልፃ ነይሩ።

ትካል መድሕን ህፃናት (ዩኒሴፍ) ኣብ 2017 ዘውፅኦ ፀብፃብ ከምዘመልክቶ ኣብ ሱዳን ሓደ ካብ ሰለስተ ደቀ-ኣንስትዮ ዕድሚኤን ገና 18 ዓመት ከይመልኣ ይምርዓዋ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ንውሳነ ቤት ፍርዲ ስዒቡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ብጣዕሚ ዘሕጉስ ዜና" ክብል ገሊፅዎ።

እቲ ትካል በቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ እውን ግን ከምዘይተሓጎሰ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሱዳን ኣብ ሕጊ መርዓን ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፍፀሙ ዓመፃትን ብዝምልከት ዘለዋ ሕጊ ደጊማ ክተማሓይሽ ፀዊዑ።

"ግዳያት ኣይኮናን ክቕፅዓ ዝግበአን" ይብል።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ኣዲኣ ንኑራ፡ ዘይነባ ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብኦ ቃል፡ ጓለን ብሰብኣያ ኣብ ዝተደፈረትሉ እዋን "ንገዛእ ርእሳ ፀሊኣ" ከምዝነበረት ተዛሪበን።

"ደጊሙ እንተተንኪፍዋ ዓርሰ ቅትለት ክትፍፅም ካራ ኣዳልያ ነይራ" ኢለን።

በዓል ቤታ ምስሞተ እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ንምክትዛብ ናብ እንዳ ወለዳ'ያ ከይዳ።

ብድሕሪኡ ኣብ ልዕሊኦም ክፍፀም ዝኽእል ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባር ዘስግኦም ወላዲኣ ድማ ንኹሎም ኣባላት ስድራ ሒዙ ናብ ፖሊስ ከይዶም።

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስወዓለት ብደተጃ ዓለም ዘዘራረበ ዛዕባ ኮይኑ።