ፌስቡክ ኣብ ሱዳን ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ምትእስሳር ንዘለዎም 735 ገጻት ዓጽዩ

ፌስቡክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፌስቡክ "ዝተወደበ ዘይርጉጽ ባህርያት የንጸባርቑ እዮም" ዝበሎም ምስቲ ኣብ ሱዳን ግኑን ዝኾነ ሓውሲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣርኤስኤፍ ምትእስሳር ዘለዎም 735 ገጻት ዓጽዩ።

እቲ ትካል ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንነበርቲ ሱዳን ዘነጻጸሩ 116 ገጻት፡ 666 ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት፡ 69 ግሩፓትን 92 ናይ ኢነስታግራም ኣካውንታትን ኣሊና ኣሎና" ኢሉ።

እቶም ገጻት ምስቲ ብመንግስቲ ሱዳን ዝመሓደር ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (ኣርኤስኤፍ) ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኖም'ውን ገሊጹ።

"እቶም ብድሕሪ እዞም ገጻት ዘለው ሰባት፡ ናይ ሓሶት ኣካውንት ተጠቂሞም ነቶም ገጻት፣ ልጣፋትን፣ ርእይቶታትን ብምቁጽጻር፡ ህቡብነት ከም ዘለዎም ንምምሳል ዝፍትኑ እዮም። መብዛሕትኦም'ውን ብኣውቶማቲካዊ ስርዓታትና ድሮ ተፈሊጦም ተዓጽዮም እዮም" ኢሉ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "ገለ ካብቶም ገጻት፡ ነጻ ናይ ዜና ትካላት ምዃኖም እዮም ዝገልጹ። ገሊኦም ከም ወለንተኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ተማሃሮን ሱዳን ንምምሳል ዝፍትኑ ኮይኖም ናይ ህቡባት ሰባት ስእሊ ዘለዎም እዮም" ይብል።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የሎን።

እቲ ብምኽትል ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ደጋሎ ወይ'ውን ሐመቲ ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት እታ ሃገር ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ። እቲ ጉጅለ ግና ነቲ ክስታት ይነጽጎ።

ፌስቡክ ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ውን ናብ ሱዳናውያን ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘተኮሩ ኣብ ዝበሎም ገጻት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ተጻባዕቲ ምዃኖም ዝገለጾም 53 ገጻት ደምሲሱ እዩ።