ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ሚልዮናት ንኸቢድ ጸገም ውሕስነት መግቢ ተቓሊዖም

ድርቂ

ምንጪ ስእሊ, OCHA

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ፣ ደቡባዊ ሶማሊያን ኣብ ገለ ከባብታት ኢትዮጵያን ክወቅዕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝናብ ምእኹል መጠን ስለዘይተረኸበ ከቢድ ጸገም ውሕስና መግቢ ከምዘጋጠመ ኣብ ውድብ ሕቡራት ቤት ጽሕፈት መተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ኣፍሊጡ።

ኣብቶም ከባብታት ትሑት ፍርያት፣ ምድራቅ ጥሪት ዝምገባሉ ሰውሒ (መጋሃጫ) ወሰኽ ዋጋ ኣእካልን ከምዝተረኣየ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ካብ ወርሒ መስከረም 2021 ኣብ ኢትዮጵያ 401 ሽሕን 313 ሰባት ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳን 108 ሽሕ ዜጋታት ንሕሱም ጸገም ውሕስና መግቢ ከምዝተቓልዑ ዘመልከተ ኦቻ፤ ኣባላት ኢጋድ ኣብ ዝኾና ሃገራት ብሓፈሻ ልዕሊ 29 ሚልዮን ሰባት ኣብ ከቢድ ጸገም ሕጽረት መግቢ ከምዝርከቡ ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ 8.3 ሚልዮን ሰባት ሕጽረት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ኣብ 2020 ነተን ኣብ ኢጋድ ዝጥርነፋ ሃገራት ን3.5 ሚልዮን ትሕቲ 5 ዓመት ዝርከቡ ህጻናት ህጹጽ ሓይሊ ወሃቢ መግቢ ዝቐረበ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቲ ብዝሒ ክውስኽ ከምዝኽእል እቲ ትካል ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ እቲ ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ፡ ግጭታት፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ማሕበረ-ቁጣባዊ ጽዕንቶታት፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ካልእን እቲ ጸገም ንኽጋደድ ምኽንያት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ’ሎ።

ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ክወቅዕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ መጠን ዝናብ እውን ምንካይ ክህልው ከምዝኽእል ትንበያታት የመልክቱ።

ስለዝኾነ ቅልጡፍ ሓገዝ ክግበር እንተዘይኪኢሉ ኣብቶም ሕጽረት መግቢ ዝተኸሰተሎም ከባብታት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማሊያን እቲ ጸገም ውሕስና መግብን ዝተመጣጠነ መግብን እናበኣሰ ምምጽኡ ከምዘይተርፍ ኦቻ ኣጠንቂቑ።

ኣብቲ ከባቢ ብ2011 ከምኡ’ውን 2017 ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙ ምንባሩ ብምዝኽኻር ብፍላይ ኣብ ሶማሊያ የጥምየት ንኽክሰት ምኽንያት ከምዝነበረ ሓቢሩ።