ናሚቢያ "ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕሬዝደንት ሄግ ጋይንጎብ፡ ብምኽንያት ሕጽረት ዝናብ ናሚቢያ 'ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ' ኣጋጢሙዋ'ሎ ኢሉ።
እቲ ፕሬዝደንት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንኻልኣይ ግዘ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ዝኣወጀ ኾይኑ፡ ኩለን ኤጀንስታት መንግስቲ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምላሽ ክህባ ከም ዝተንቀሳቐሳ ተዛሪቡ።
ሕጽረት ዝናብ 500 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ዘቃልዐ እንትኾን፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ዜጋታት እታ ሃገር ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ መንግስቲ ሓቢሩ።
ናሚቢየ ኣካብ 2013 ጀሚሩ ብድርቂ ተጠቒዓ'ያ። መንግስቲ ድማ፡ ማይን መግብን ንምዕዳግን፡ ንእንስሳት ዝኸውን መጋሃጫ ንምምጻእን 40 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝሰልዐ ይግለጽ።
ቐዳማይ ሚኒስትር ሳራ ጋይንኩጌንጌልዋ ኣማድሂላ ድማ፡ ዓለማዊ ሓገዝ ሓቲታ ኣላ።
"ኩሎም ናሚቢያውያንን ናይ ልምዓት መሓዙት ትካላትን ብዝኸኣልኩምዎ ክትሕግዙ ንጽውዕ" ኢላ።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 60 ሽሕ ዝጽግዑ እንስሳት ዘቤት መይቶም።
ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ እታ ሃገር ዘለው ሩባታት ደሪቖም፡ እንስሳት ተጠቒዖም ይርከቡ።
እዛ ብመዓድን ሃፍታም ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ 70 ሚኢታዊት መግቢ ካብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣታዊ ትገብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







