ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ዝፈረሰ ዲጋ ኬንያ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዝተሰርሐ ኣይነበረን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኬንያ፡ ልዕሊ 40 ሰባት ዝቀተለ ዲጋ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተሰርሐ በዓል ስልጣን ሃብቲ ማይ እታ ሃገር ገሊጹ።
እዚ ፓተል እናተብሃለ ዝፅዋዕ ዲጋ ካብ ርእስ ከተማ ናይሮቢ ከባቢ 190/ኪሜ ርሑቁ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ዲጋ ብሓያል ዝናብ ድሕሪ ምውቃዕ ከምዝዓነወ ክፈለጥ ተኻኢሉ'ሎ።
ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ብዙሓት ስባት ገና ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
ወሃቢ ቃል ሃብቲ ማይ ሃገር ከመዝሐበሮ እቲ ዲጋ ንኽስራሕ ሕጋዊ ወረቀት ከምዘየማለኣ ኣፍሊጡ።
እነተኮነ ግን ኣካያዲ ናይቲ ሕርሻ ነቲ ክሲ ብትሪ ነጺግዎ።
እዚ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ጥቓ ከተማ ሶላይ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ክኾኑ እንከለው ብጭቃ ተዋሒጦም'ዮም ተረኺቦም።
ቀይሕ መስቀል ኬንያ ከባቢ 40 ሰባት ከምዘድሓነ እንክገልጽ ልዕሊ 2000 ሰባት ድማ ብዘይ መጽለሊ ተሪፎም'ዮም።
ክሳብ ሕዚ ዝርገሐ እቲ ሓደጋ ግልጺ ኣይኾነን ዝበሉ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ኸባቢ፡ ናይ ምድላይ መስርሕ ይቕጽል ብምህላው ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክዉስኽ ከምዝኽእል ይገልጹ።
ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኬኒያ ዝዘንብ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ድሕሪ እቲ ሚሊዮናት ዝሃሰየ ድርቂ ዝመጸ'ዩ።
ሓደ ሽሙ ዘይተገለጸ ኣዛዚ ፖሊስ ኣብ ተሓራሳይ መሬት ቡን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብበዝሒ ዝርከቡዎም 11 ሰባት ከምዝድሓኑ ተዛሪቡ።
ካብቲ ሓደጋ ክሃድሙ'ዮም ዝሃቀኑ'ዮም ዝመስሉ ግና ብምኽንያት ካብ'ቲ ዝፈረሰ ግድብ ዝወሓዘ ሓያል ውሕጅ ክሳኽዓሎም ኣይከኣለን ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዚ ፓቴል ዝተብሃለ ሓጽቢ ኣብ ናይ ዉልቀ ተሓራሳይ መሬት ዝርከብ እንትኾን፡ ንመስኖንን ምርባሕ ዓሳን'ዩ ዝዉዕል ነይሩ።
በቲ ሓያል ማይ መስመራት መብራህቲ፣ መንበሪ ኣባይትን ህንጻታትን ሙሉእ ንሙሉእ እንትዓንዩ፡ ሓደ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጠቕሊሉ እንከሎ ካልእ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ድማ ብዉሑጅ ተዕለቕሊቑ።
እዚ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ዝጀመረ ሓያል ዝናብ ኣብ ኬኒያ ከቢድ ስግኣት ሒዙ ዝመጸ'ዩ ትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣና ሶይ።
ትማሊ ሓሙስ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣብ'ቲ ረግረረግ ጭቃ ብህይወቶም ዝተረፉን ግዳያትን ክእልሹ ዉዒሎም።
"እቲ ማይ ኣብ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡ'ዩ። እቲ ሓደጋ ክሳብ ክንደይ'ዩ ንዝብል ድማ ገና ምጽራይ ዘድልዮ'ዩ" ይብል ኣመሓዳሪ ዞባ ናኩሩ ሊ ኪንያጁ።
ማሪያም ካሪሚ ወዲ 4ተ ዓመት ዉላዳ ሓዊሱ ሰለስተ ደቃ ክትረኽቦም ኣይኽኣለትን። "ብህይወት ክህልዉ ተስፋ እገብር፡ ኣዝዩ ግር ኢሉኒ'ዩ ዘሎ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ካብ'ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፋ ጓል 67 ዓመት ቬሮኒካ ዋንጂኩ ንሮይተርስ ከምዝበልኦ፡ እቲ ግድብ እንትፈርስ ምስ ሰበይቲ ወደን ሽሃይ እናሰተያ ከምዝነበራ'ዩ።
"ናይ ባሕሪ ማይ'ዩ ነይሩ። ሓደ ጎረቤተይ እቲ ውሕጅ መንደቕ ገዝኡ ኣፍሪሱ ምስ ኣተዎ ሞይቱ። ዕዉር ብምንባሩ ክሃድም ኣይከለን። ሬስኡ ንጉሆ ተረኺቡ። ዲጋታት ኬንያ
ዲጋ ፓታል ካብቶም ብሃፋትም ሓረስቶት ዝዉነኑ ሰለስተ ሓጽቢታት ሓደ'ዩ።
ኣብዛ ሃገር ብዝዘንብ ዘሎ ሓያል ዝናብ ካብ ዓቐን ንላዕሊ መሉኡ ከምዝነበረ ድማ ይንገር።

ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ወናኒ እቲ ሓጽቢ ዝኾነ ሓረስታይ እቶም ግድባት ክሃንጽ ፍቓድ ነይሩዎ'ዶ ኣይነበሮም ዝብል ምጽራይ ከምዝግበር ገሊጾም። እቶም ካልኦት ክልተ'ዉን መሊኦም ከይኮኑ ስግኣት ከምዘሎ ሪፖርተር ቢቢሲ ፈርዲናንድ ኦሞንዲ ሓቢሩ።
ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ብዝዘንብ ዘሎ ሓያል ዝናብ ኣብ መላእ'ታ ሃገር 132 ሰባት ሞይቶም'ዮም።
ልዕሊ 220 ሽሕ ሰባት ድማ መንበሪ ኣባይቶም ዓንዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







