ቁጠባ ኤርትራ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ብልዕሊ ፍርቂ ካብዚ ዘለዎ ከምዝዓቢ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ኣሚቱ

ኣብ ቢሻ ዝርከብ ዕደና ፡17 ሓምለ 2013

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዕደና ቢሻ

ቁጠባ ኤርትራ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ ዓመታት ናብ 4.8 ሚእታዊት ክዓቢ ምዃኑ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ሓቢሩ።

እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ኣመታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ 2026 ናብ 3.9 ከምዝወርድ'ውን እቲ ትንቢት ኣሚቱ'ሎ።

እቲ ኣብ ዕደና፡ ኣብቲ ካብ ደገ ዝስደድ ገንዘብ (ሪሚታንስ) ከምኡ'ውን ሕርሻ ዝምርኮስ ቁጠባ ኤርትራ ኣብ 2021 ዓመት'ውን 2.9 ሚእታዊት ዕብየት ኣርእዩ ምንባሩ ኣይ-ኤም-ኤፍ ይሕብር። ኣብ 2020 ቁጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ትሕቲ ዜሮ ወሪዱ ነይሩ'ዩ።

ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘይስሩዕን ዘይንጹርን ባጀታዊ ስርዓት፡ ምብሓት ቁጠባ ብንግዳዊ ትካላት ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ብሰራዊት ዝመሓደራ ትካላት፡ ቁጠባ እታ ሃገር እናተዳኸመ ክመጽእ ምጽንሑ ኪኢላታት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ሓያሎ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ፡ ካብታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳ፡ ኣንጎላን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝበላ ሃገራት ክግዕዙ ከምዝተገደዱ ይግለጽ።

ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ግን ምድኻም ናይቲ ቁጠባ ምስቲ ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታትን ኲናት ምስ ኢትዮጵያን ምትእስሳር ከምዘለዎ'ዮም ክምጉቱ ጸኒሖም።

ንለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል መንግስቲ ዝኣወጆ ተሪር ዕጽዋን እገዳታትን ከቢድ ጥምየት ዝርከቦ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምንባሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኤርትራ: ንውሕስነት መግቢ እታ ሃገርን ኣፍሪቃን "ስትራቴጂካዊ ዕድል እ" ተባሂሉ ዝግለጽ ሃብቲ ማዕድን ፖታሽ ከምኡ'ን ወርቂ ዝርከብዎም ጸጋታት ዝተዓደለት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ፋይናንስ ሎሚ ዘውጽኦ ትንቢታዊ ጸብጻብ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ናይታ ኣብ ኲናት እትርከብ ኢትዮጵያ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ገሊጹ'ሎ።

ብሰንኪ ዝተፈጥረ "ዘይንቡር ልዑል ደረጃ ዘይንጹርነት''፡ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ እዋን ቁጠባ ኢትዮጵያ ናበይ ከምዘብል ንምእማቱ ከምዝተጸገመ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ድሕሪ'ቲ ንልዕሊ 11 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ'ዩ ዝወሃብ ዘሎ።

ገንዘብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2021 ግን ቁጠባ ኢትዮጵያ ብ2.0 ሚእታዊት ክዓቢ ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ማለት ትሕቲ ፍርቂ ናይቲ ኣብ 2020 ዝተራእየ 6 ሚእታዊት ዕብየት'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዝግባ ዝጸንሓ ሃገራት ኮይና፡ ብድርብ ኣሃዝ ዝዓበየትሉ እዋን ምንባሩ ይዝከር።

እታ ብፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ክትሳቐ ዝጸንሐት ሱዳን'ውን ካብ 0.9 ሚእታዊት ናብ 3.5 ሚእታዊት ዕብየት ከተርኢ ምዃና እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ኣብ 2026 ድማ ቁጠባ ሱዳን 6.5 ሚእታዊት ዕብየት ከመዝግብ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኬንያ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብ6.0 ሚእታዊት ክትዓቢ'ያ።

እቲ ትካል ኣመት ቁጠባአን ክፈልጦ ዘይክኣለ ካልኦት ሃገራት፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሊብያን ሶርያን ኮይነን ኩለን ብኲናት ዝተሓመሳ እየን።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣይ-ኤም-ኤፍ፡ ቁጠባ ዓለም ኣብ 2021 ብ5.9 ሚእታዊት ክዓቢ እንከሎ፡ ኣብ 2022 ድማ ናብ 4.9 ሚእታዊት ክወርድ'ዩ።

ጠንቂ ናይቲ ምንቁልቋል ቀታሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምምዝባል ሰንሰለት ቀረብን ምዃኑ'ዩ እቲ ጸብጻብ ዝጠቅስ።