ዶናልድ ትራምፕ ‘ትሩዝ’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ሓድሽ ማሕበራዊ ሚድያ ክኸፍት ምዃኑ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ሓድሽ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምኽፋት ውጥን ከምዘለዎ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ሓድሽ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢ “ኣንጻር እቶም ዓፈንቲ ኩባንያታት ቴክኖኦጂ” ዝበሎም [ፌስቡክን ትዊተርን] ደው ከምዝብል ተዛሪቡ። ኣብ ኣሜሪካ ንዝቃወሙ ድምጽታት ብምዕፋን ድማ ይኸሶም።
ንሱ ዝመርሖ ‘ትራምፕ ሚድያ ኤንድ ቴክኖሎጂ ግሩፕ’ ዝተበሃለ ትካል፡ ቪድዮታት ዝቐርቡሉ ኣማራጺ’ውን ንምምጻእ ወጢኑ’ሎ።
ትራምፕ፡ ደገፍቱ ኣብ ህንጻ ኮንግረስ ኣሜሪካ ‘ካፒቶል’ ናዕቢ ምውልዖም ስዒቡ ካብ ከም ትዊተርን ፌስቡክን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸብታት ከምዝተኣገደ ይዝከር።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ ተወዳዳሪ ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢ ንምጅማር ውጥን ከምዘለዎም ንሱን ኣማኸርቱን ክገልጹ ጸኒሖም።
ቅድም ክብል ‘ፍሮም ዘ ዴስክ ኦፍ ዶናልድ ትራምፕ’ ብዝብል ጽሑፋት ዝቐርቡሉ መርበብ ሓበሬታ ምኽፋቱ ይፍለጥ።
እንተኾነ ንሓደ ወርሒ ምስጸንሐ ብቐዋምነት ከምዝተዓጸወ ይዝከር።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣማኸርቱ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ነቲ እነካይዶን ንሰርሓሉን ዘለና ጻዕርታት ከም ደጋፊ እዩ ነይሩ” ክብል’ዩ ገሊጹ።
እቲ ትራምፕ ዝመርሖ ትካል ሚድያን ቴክኖሎጂን ዝኸፍቶ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጀሚሩ ንተጠቀምቲ መጸዋዕታ ከቕርብ’ዩ።
ትራምፕ “ጣሊባን ኣብ ትዊተር ብሰፊሑ ተጠቃሚ ኣብ ዝኾነሉን ምርጫኹም ዝነበረ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ግን ድምጹ ኣብ ዝዕፈነሉን ዓለም ኢና ንነብር ዘለና” ክብል ጽሒፉ’ሎ።
ትራምፕ ሓድሽ ማሕበራዊ መራኸቢ ክኸፍት ምዃኑ ወግዓዊ ዝገበረ፤ ሓደ ካብ ሓገዝቱ ዝነበረ ጃሶን ሚለር ‘ጌተር’ ዝተበሃለ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኻቢ ድሕሪ ምኽፋቱ እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







