ቦርድ ቍጽጽር ፌስቡክ: ትራምፕ ናብቲ መርበብ ዝምለሱ እዋን ኣደናጒይዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቦርድ ቍጽጽር ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ ንገለ ሰሙናት ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ 'ካፒቶል ሂል' ድሕሪ ዘጋጠመ ናዕቢ እዩ ካብ ፌስቡክ ተኣጊዱ።
እቲ እገዳ 21 ሚያዝያ ከብቅዕ ዝነበሮ ኮይኑ፡ እቲ ቦርድ እቲ እገዳ ንምንታይ ኣብ እዋኑ ከም ዘይተላዕለ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ልዕሊ 9,000 ካብ ህዝቢ ዝመጸ ምላሽ ይፍትሽ ብምህላው ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ቦርድ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት" ውሳነ ከሕልፍ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ቦርድ ከምዚ ዛኣመሰሉ ጉዳያት ምርኣይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ጀሚርዎ።
ቦርድ ቊጽጽር ፌስቡክ ነቶም ክብድ ዝበሉን ኣከራኸርትን ውሳነታት ልዙብነት (ሞደሬሽን) ፌስቡክ ንምምራሕ ዝቖመ እዩ።
እቲ 20 ኣባላት ዘለዎ ኮሚተ፡ ብዋና ኣካያዲ ስራሕ ፌስቡክ፡ ማርክ ዛከርበርግ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ብዙሓት "ላዕላይ ቤትፍርዲ ፌስቡክ" ብዝብል ይጽውዕዎ።
እቲ ኮሚተ ብጋዜጠኛታት፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጠበቓታትን መማህራን ዩኒቨርስትን ዝቖመ እዩ።
ፌስቡክ ናይ ትራምፕ ገጽ ጥራሕ ኣይኮነን ኣጊዱ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ሰይቲ ወዱ ዝኾነት ምስ ፎክስ ኒውስ እትስርሕ ጋዜጠኛ ላውራ ትራምፕ ምስቲ ፕረዚደንት ነበር ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ኣብ "ቮይስ ኦፍ ትራምፕ" ድሕሪ ምልጣፉ እቲ ገጽ'ውን ተኣጊዱ እዩ።
ኣብ 'ካበፒቶል ሂል' ብዘጋጠመ ናዕቢ ሰባት ምምዋቶምን ልዕሊ 100 ፖሊስ ምቑሳሎምን ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ናይ ቴክኖሎጂ መርበባት ስጉምቲ ወሲዶም እዮም።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቲ ናዕቢ ብምልዕዓልን ናይ ሓሶት ዜና ብምዝርጋሕን ይኽሰስ።
ትዊተር ንሓዋሩ ክእግዶ እንከሎ፡ ኣብ ዩትዩብ'ውን ምእጋዱ ተገሊጹ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ 'ክራውድ ታንግል'፡ ትራምፕ ኣብ ፌስቡክ ዝልጥፎም ዝሑፋት ኣብ ኣሜሪካ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት እዮም።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝእገድ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ትራምፕ፡ ናይ ውልቁ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንምፍጣር ሓሳብ ከም ዘለዎ ኣተንቢሁ እዩ።
ኣማኻሪኡ ጄሶን ሚለር ኣብ ወርሒ መጋቢት ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቲ ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት ነበር ብናይ ውልቁ መርበብ ክምለስ ከም ዝትስፎ ተዛሪቡ።ቦርድ ቍጽጽር ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ ንገለ ሰሙናት ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







