ትራምፕ ንኮቪድ ኣመልኪቱ ዝጠቅዖ ጽሑፍ ብፌስቡክ ክስረዝ ከሎ ትዊተር ድማ ሓቢእዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Facebook
ፌስቡክ ነቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኮቪድ-19 ምስ ጉንፋዕ ('ፍሉ') ክነጻጸር ከሎ "ብጣዕሚ ሓደገኛ ኣይኮነን" ክብል ዝጠቅዖ መልእኽቲ ሰሪዙ።
ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦ ትራምፕ ንሰለስተ መዓልታት ጥራሕ ኣብ ሆስፒታል ክትትል ክምና ምስ ተገበረሉ ናብ 'ዋይት ሃውስ' [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ተመሊሱ'ሎ።
ንሱ፡ "ልክዕ ከምቲ ምስ ኮቪድ ተላሚድና ንምንባር ትምህርቲ ንወስዶ ዘለና" ኣሜሪካውያን፡ ምስ ናይ ጉንፋዕ ወቕቲ'ውን "ከመይ ክንነብር ከምዘለና ተማሂርና ኢና" ዝብል መልእኽቲ'ዩ ኣብቶም ማሕበራዊ ገጻት ጽሒፉ።
ትዊተር "ዘጋግይን ከቢድ ጉድኣት ዘኸትልን ሓበሬታ ምዝርጋሕ" ዝብል መልእኽቲ ብምሕላፍ ጽሑፍ ትራምፕ ንሰባት ከይረኣይ ሓቢእዎ።
ተጠቀምቲ ትዊተር ነቲ ጽሑፍ ክርእዩ ምስ ዝደልዩ ግን ነቲ መጠንቀቕታ ብምስጋር ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ኩባንያ ፌስቡክ ኣካያዲ ስራሕ ፖሊሲ ርክባት: ኣንዲ ስቶን "ንሓደገኛነት ኮቪድ-19 ብዝምልከት ዝተዘርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ንስርዝ ኢና፤ ስለዝኾነ ከኣ ነቲ ዝተጠቅዐ ጽሑፍ ሰሪዝናዩ ኣለና" ኢሉ።
እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ብኮቪድ-19 ዝስዕብ መጠን ሞት ዝፍለጥ ኣይኮነን፤ ግን ከኣ ዝለዓለ ከምዝኾነ ይግመት። ምናልባት ዓይነታት ጉንፋዕ ካብ ዘኸትልዎ ብ10 ዕጽፊ ክዛይድ ከምዝኽእል መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኑ "ሴክሽን 23 ይሰረዝ" ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ብምጥቃዕ ግብረመልሲ ሂቡ'ሎ።
እዚ ከኣ ማሕበራዊ መራኸብታት ብተጠቀምቲ ኣብ ዝዝርግሑ ትሕዝቶታት ሓላፍነት ከምዘይወስዱ ንዝገልጽ ሕጊ ዝሓዘ እዩ።
እንተኾነ እቶም ኩባንያታት መጥቃዕታዊ፣ ምግፋዕን ዓመጽን ከምዘሕልፉ ዝግምገሙ ትሕዝቶታት ክኣልዩ ወይ ክእግዱ እቲ ሕጊ ከምዘፍቅደሎም ይፍለጥ።
እቲ ሕጊ ክመሓየሽ ወይ ክስረዝ እንተኾይኑ ከኣ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢ ብተጠቀምቲ ዝጥቅዑ ትሕዝቶታት ብምእራምን ብምቕያርን ምተኸሰሱ ነይሮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







