ኮቪድ-19፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን በዓልቲ ቤቱን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ፡ ኣብ ውሸጢ 24 ሰዓት ንሆስፒታል ተወሲዱ።
ቤት-ጽሕፈት መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፕረዚደንት ብዛይካ ድኻም፡ መንፈሱ ጽቡቕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ማእከላይ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ኣርኢዩ ከምዝነበረ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ ነይሩ።
ትራምፕን በዓልቲ ቤቱን፡ ናይ ቀረባ ኣማኻሪቱ ዝነበረት ሆፕ ሂክስ ብኮሮናቫይስ ድሕሪ ምልካፋ'ዩ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።
ክሳብ ሕጂ፡ እዛ 31 ዝዕድሚኣ ኣማኻሪት ፕረዝደንት ጥራይ እያ፡ ካብቶም ናይ ቀረባ ኣማኸርቲ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዋ ዘሎ።
ሆፕ ሂኪስ፡ ኣብዚ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብቲ ፕረዝደንታዊ ክትዕ ዝተኻየደሉ ከተማ ኦሃዮ፡ ተጓዒዛ ነይራ።
ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ከተማ ኪልፈላንድ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ካብ ነፋሪት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ክተወጽእ ተሳኢላ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከተማ ሚኒሶታ ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ኣብ ሆሊኮፕተር፡ ምስቲ ፕረዝደንት ተሰቂላ ምንባራ'ውን ይፍለጥ።
ኩነታት እቲ ፕረዚደንት እንታይ ይመስል?
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተኸዲኑ ካብ ሃይት ሃውስ ናብታ ንሆስፒታል ክትወስዶ ትጽበዮ ዝነበረት ሆሊኮፕተር ብእግሩ እዩ ተጓዒዙ።
ቅድሚ ናብቲ ሆስፒታል ምዃዱ ነቶም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን። በታ ትጽበዮ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ድማ ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ትራምፕ፡ ኣብ ትዊተር ብቪድዮ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ፡ "ኣነ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እየ ዘሎኹ፡ እንተኾነ፡ ኩሉ ነገር ብዓወት ክሳለጥ ክንሰርሕ ኢና። በዓልቲ ቤተይ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣላ። ብዙሕ እየ ዘመዝግነኩም ክብል" ተዛሪቡ።
ደቂ እቲ ፕረዚደንት ኢቫካን ኤሪክን፡ "ታቓላሳይ" ክብሉ ንኣብኦም ገሊጾሞ። ኢቫንካ ድማ "ይፈትወካ'የ ኣቦይ" ክትብል ደጊማ ጽሒፋ።
ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሰልፊ ዴሞክራት፡ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማን'ውን ነቲ ፕረዚደንት ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾምሉ።
ብተወሳኺ፡ ሰልፊ ዴሞኩራት፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዘናሹን ኣሉታዊ ጎስጓሳትን ንግዝኡ ከም ዘቋርጾ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ንገለ መዓልታት ኣብቲ ዋልተር ሪድ ዝተባህለ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ክጸንሕ እዩ።

ንፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካልኣይ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኣብ ዝመጽእ 15 ጥቕምቲ፡ ኣብ ከተማ ፈሎሊዳ ክህልዎ እዩ።
እንተኾነ፡ እቲ ፕረዝደንት ክሳተፍ ድዩ ኣይሳተፍን ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ፡ ልዕሊ 7.2 ሚልዮን ሰባት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ። ካልኦት 200,000 ሰባት ድማ ብሰንኪ እዚ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, AFP / Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ክጭነቑ ከምዘይብሎምን፤ እቲ ሕማም "ንኣረጋውያንን ሕማም ልቢ ንዘለዎምን እንተዘይኮይኑ፡ ዳርጋ ንዝኾነ ሰብ ከምዘይጎድእ ነጊርዎም ነይሩ ይብል ጋዜጣ ቢቢሲ ኣንቶቲ ዛከር። ሕጂ ግና ንባዕሉ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ይርከብ።
ንሱ፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 32 መዓልቲ ተረፍዎ እንከሎ እዩ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ዘሎ።
እቲ ፕረዚደንት ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ ተወሺቡ ክጸንሕ እዩ። ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ'ውን ክገብር ኣይክእልን። እቲ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ክትዕ'ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣቲዩ ይርከብ።
ቅድሚ ክልቲ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ፤ መቀናቕንቱ ንዝኾነ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ጆ ባይደን፡ ብቀጻሊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባሩ ከምኡ'ውን ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ብዘይምክያዱ ኣቋናጽብዎ ነይሩ።
ሕጂ፡ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካን ኣማኸርቲ ፕረዚደንትን፡ ስለምንታይ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ክንዲ ነብሱ ዝከላኸል፡ ኣብ ምንሻው ከም ዘድሃበ ካብ ዝምልስዎ ሕቶ'ዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







