‘ፈውሲ ትራምፕ’ መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክውስኽ ከም ዝገብር ተገሊጹ

'ፈውሲ ትራምፕ' መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክውስኽ ከም ዝገብር ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንገዛእ ርእሱ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል 'ይወስዶ ኣለኹ' ዝበሎ መድሃኒት ዓሶ፡ ነቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝያዳ ናብ ሞት ዘቃልዕ ከም ዝኾነ መጽናዕቲ ላንሰት ኣፍሊጡ።

ንሕሙማት ኮቪድ-19 ብፈውሲ ዓሶ-ሃይድሮክሲክሎሮኲን ምሕካም ዝኾነ ጥቕሚ ከም ዘይብሉ እቲ መጽናዕቲ ገሊጹ።

ሰብ ሞያ ጥዕና እቲ መድሃኒት ናይ ልቢ ጸገማት ከም ዘስዕብ እኳ እንተገለጹ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ መድሃኒት ይወስድ ከም ዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

ብተደጋጋሚ'ውን ህዝቢ ክጥቀመሉ ክዛረብ ተሰሚዑ'ዩ።

ሃይድሮክሲክሎሮኲን ንዓሶን፡ ነድሪ መላግቦን ዝኣመሰሉ ሕማማት ውሑስ እኳ እንተኾነ፡ ንኮሮናቫይረስ ምጥቃሙ ብዙሓት ክቃውምዎ ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ መጽናዕቲ ላንሰት፡ ልዕሊ 96 ሽሕ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክሳተፉ ከለው፡ እቶም 15 ሽሕ ሃይድሮክሲክሎሮኲን ወይ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ክሎሮኲን ተዋሂቦም።

እቲ ርኽበት ከም ዘመላኽቶ፡ እቶም እቲ ፈውሲ ዝተዋህቦም ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብዝያዳ ናይ ልቢ ጸገማት የማዕብሉን ንሞት ይቃልዑን።

እቲ ዘርዝር ብኣሃዝ ክረአ ከሎ፡ ካብቶም ሕሙማት ሃይድሮክሲክሎሮኲን 18%፡ ክሎሮኲን 16.4%፡ እቶም እቲ ፈውሲ ዘይተዋህቦም ግና 9% ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

እቶም ሃይድሮክሲክሎሮኲን ወይ ክሎሮኲን ምስ ኣንቲባዮቲክስ ዝተዋህቦም ድማ ካብዚ ዝለዓለ መጠን ሞት ከም ዝተርኣዮም እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ።

ሃይድሮክሲክሎሮኲን፡ ካብ ናይ መጽናዕትን ምርምርን ክትትል ወጻኢ ክውሰድ ከም ዘይብሉ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ግና፡ እቲ መድሃኒት ጥቕሚ ከም ዘለዎ ኣሚኑ ይወስዶ ከም ዘሎን፡ እቲ ቫይረስ ከም ዘይተረኽቦን ይዛረብ።

እቲ መድሃኒት ካብ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይከላኸል እንተኾይኑ ንምርግጋጽ መርመራታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ እስያን ደቡብ ኣሜሪካን ምስ ሕሙማት ኮቪድ-19 ርክብ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ጥዕና እቲ መድሃኒት ብምውሳድ ዝከላኸለሎም እንተኾይኑ ክፍተሽ እዩ።

ብዛዕባ እዚ መጽናዕቲ ላንሰት ዝተሓተተት ኣብ ዋይት ሃውስ ኣወሃሃዲት ሓይሊ ዕማም ኮሮናቫይረስ ዶክተር ዲቦራ ቢሪክስ፡ ትካል ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ፡ ነቲ መድሃኒት ንምክልኻል ኮነ ንምፍዋስ ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ሻቕሎት ብንጹር ገሊጹ እዩ ኢላ።

ኮሮና
Banner