ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን እንጠፍኦ ግዜ ገደብ ክህልዎ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተጠቀምቲ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ኣብቶም 'ኣፕሊኬሽናት' (መተግበርታት) ዘሕልፍዎ ግዜ ገደብ ክህልዎ ዘኽእል መስርሕ ትግባራዊ ከምዝገብሩ መሃዝቲ ኣፍሊጦም።
ናብዚ ውሳነ ዝተበፅሐ፡ መብዛሕቲኦም ተጠቀምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዘሕልፍዎ ካብ ልክዑ ዝሓለፈ ግዜ ስለዝኾነን ኣብ ጥዕና ኣእምሮ'ውን ሳዕቤናት ስለዘዎን'ዩ።
በዚ መሰረት ተጠቀምቲ ኣብቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ዘሕልፍዎ ግዜ ምፍላጥ ዝከኣል ኮይኑ፡ ዝተመደበሎም ግዜ ምስ ኣኸለ መዘኻኸሪ መልእኽእቲ ክበፅሖም ይግበር።
ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ዝኾነ ዓይነት መልእኽቲ ከይበፅሖም ምግባር ይከኣል።
ገለ ተጠቀምቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ እቲ ኣካይዳ ዘይግቡእን ነዊሕ ርሕቐት ዘየኽይድን ከምዝኾነ ብምግላፅ ተቓዊሞሞ።
በዓል-ሞያ እቲ ዓውዲ ግራንት ብላክ "እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ መሰረታዊ ለውጢ ከምዘምፅእ እምነት የብለይን። ኣብ ተጠቀምቲ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዘምፅኦ ለውጢ ሰዓት የለን" ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Facebook
ተጠቀምቲ ፌስቡክ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ግዜ የጥፍኡ ከምዘለዉን እዚ ድማ ኣሉታዊ ፅልዋታት የኸትል ከምዘሎ ዝሕብር ፅሑፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ወፂኡ ኔሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ሓደ ናይ ፈተነ መፅናዕቲ ኣሎ። ኣብቲ መፅናዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ዝመሃሩ ገለ ተምሃሮ፡ ን10 ደቒቓ ዝኣክል ግዜ ፌስቡኮም ጥራሕ ከትኩሩ ተጌሩ። ካልኦት ድማ ፌስቡክ ተጠቒሞም ምስ መሓዙቶም ክዛተዩን መልእኽትታት ክፀሓሓፉን ተገይሩ።
ብመሰረት እቲ ፈተነ፡ ን10 ደቓይቕ ኣብ ፌስቡክ ዘትኮሩ ምስቶም ንፌስቡክ ብኣግባቡ ዝተጠቐሙ ክነፃፀሩ ከለዉ ናብ ፅቡቕ ዘይኮነ ስምዒት ከምዝኣተዉ ተረጋጊፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







