ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ፌስቡክ ዕዳግኡ ወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፌስቡክ ኣብ ናይ ርብዒ ዓመት መሸጥኡ 50 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ኣብቲ መረዳእታታት ተጠቀምቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ ዝተኸሰሰሉ እዋን ገሊፁ።
እቲ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዝሓበሮ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣታዊኡ ናብ 11.9 ቢልዮን ዶላር ክድይብ ኪኢሉ'ሎ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን 8 ቢልየን ዶላር ነይሩ።
መስራትን ወናንን ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ "ካብቲ ዘጋጠመና ፈታኒ ኩነታት ብዝሰገረ፡ ማሕበረሰብናን ስራሕናን ን2018 ጥንኩር ብዝኾነ ኣካይዳ ጀሚሮምዎ ኣለው" ኢሉ።
ትካሉ ንሓላፍነታት ብሰፊሑ ይግምግም ከምዘሎ'ውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስራሕቲ ምልላይ ጥራሕ 7.8 ቢልዯን ዶላር ረኺቡ ነይሩ፤ ኣብዘን ናይ 2018 ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ 11.7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ'ሎ።
አኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 3 ቢልዮን ዝበለፀ 4.9 ቢልዮን መኽሰብ ማለት ትርፊ ረኺቡ።
ቅድሚ ሰሙናት እቲ ትካል መረዳእታ 87 ሚልዮን ሰባት ብዘይኣገባብ ንካምብሪጅ ኣናሊቲካ ኣሕሊፍካ ከምዝተውሃበ ኣሚኑ'ዩ።
ዙከርበርክ "ኣብ ሓላፍነትና ሰፊሕ ክለሳ ንምግባርን እንህቦ ኣገልግሎታት ንፅቡቕ ዕላማ ጥራሕ ንምውዓልን እናሰራሕና ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
ሰባት ንምርኻብ፣ ማሕበረሰብ ንምጥንኻርን ንዓለም ንምቅርራብን ዝሕግዙ ተወሰኽቲ መሳርሕታት ምጥቃም ከምዘድልይ'ውን ሓቢሩ።
ቁፅሪ ንጡፋት ተጠቀምቲ ፌስቡክ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ 1.45 ቢልዮን ብምድያብ፡ ብ13 ሚኢታዊት ዓመታዊ ወሰኽ ተራእይዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







