ዶናልድ ትራምፕ ምስ ደገፍቱ ዘራኽቦ 'ፍሉይ' መርበብ ሓበሬታ ከፊቱ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ምስ ደገፍቱ ዘራኽቦ ሓዲሽን ፍሉይን መርበብ ሓበሬታ ከምዝኸፈተ ገሊጹ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ ምስ ደገፍቱ ከም 'መራኸቢ' ከምዝጥቀመሉን ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ካብ ኣባላት ቦርድ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝተጽሓፉ ጽሑፋት ብቐጥታ ከምዝሕተሙ ተገሊጹ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ደገፍቱ ናብ ካፒቶል ሆል [ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኣመሪከ]ብሓይሊ ምስ ኣተዉ፡ ነቲ ዕግርግር ኣነዓዒብካዮ ተባሂሉ ትዊተር፡ ፌስቡክን ዩትዩብን ከይጥቐም ከምዝተኸልከለ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Donald Trump
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሽዕኡ ጀሚሩ ዝህቦም ዝነበረ መግለጺታት ኣብዛ ሕጂ ተመስሪታ ዘላ ሓዳሽ መርበብ ሓበሬታ ክዝርግሖ ምዃኑ'ውን ገሊጺ ኣሎ።
ነቲ መርበብ ሓበሬታ ዝከታተሉ ሰባት፡ ንዝተዘርግሑ ጽሑፋት፡ ስእሊ ይኹን ተንቀሳቃሲ ምስሊ ከምዝፈተውዎ ዝሕብርሉ ሳንዱቕ ተዳልይሎም ኣሎ፡ ካብኡ ወሲዶም'ውን ኣብ ፌስ ቡክ ይኹን ትዊተር ክዝርግሕዎ ክኽእሉ እዮም።
እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ድሮ እቲ ኣባላት ቦርድ ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነበረ ናይ ፌስቡክ እግዳ ንኹሉ ግዜዶ ይቀጽል ኣብ ዝብል ንምዝታይ ኣብ ዝዳለውሉ ዘለዉ እዩ ተገሊጹ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዶናልድ ትራምፕ ጃሶን ሚለር፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝምስርቱን "እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዝዩ ዓቢ እዩ" ኢሉ ነይሩ'ዩ።
እንተኾነ ሚለር ብሰሉስ ብትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ እቲ ንትራምፕን ንደገፍቱን ከራኽብ ዝተመስረተ መርበብ ሓበሬታ እምበር ማሕበራዊ ሚድያ ከምዘይኮነ ኣነጺሩ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ በቲ ኣብ እዋን ምርጫ ላዕለዋይ ማናጀር ጎስጓስ ናይ ትራምፕ ዝነበረ ብራድ ፖርስኬል ዝውነን ኑክለስ ዝተብሃለ ትካል ከምዝተሰርሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብታ መርበብ ሓበሬታ፡ ድሮ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 'ምጥፍፋእ ከምዝነበሮን ትራምፕ'ምበር ጆ ባይደን ከምዘይተዓወተን' ዝገልጽ ጽሑፋት ይልጠፍ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Donald Trump
ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዝህቦ ውሳነ ሎሚ ኣማስይኡ ከፍልጥ ከምዝኽል'ውን ትጽቢት ይግበር።
እንድሕር ዶናልድ ትራምፕ እገድኡ ክልዓል ውሳነ ተዋሂብዎ፡ ፌስቡክ ናይ ትራምፕ ሒሳብ ናብ ንቡር ንምምላስ መዓልታታት ክወስደሉ ከምዝኽእል ይግመት።
ዩትዩብ፡ እቲ ክልዓል ዝኽእል ዕግርግር ምስ ሃደአ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዘንበሮ እገዳ ከምዘልዕሎ ገሊጹ ነይሩ እዩ።
ትዊተር፡ ነቲ ልዕሊ 88 ሚልዮን ሰዓብቲ ዝነበርዎ ዶናልድ ትራምፕ ንኹሉ ግዜ ትዊተር ከይጥቀም ከምዝኣገዶ ይፍለጥ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







