ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ተሌፎን ሓደ ደጋፊ ዝሰበረሉ ምኽንያት ብፖሊስ ይምርመር ኣሎ

ክርስትያኖ ሮናልዶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣጥቃዓይ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ተሌፎን ሓደ ደጋፊ ብምስባር ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ፖሊስ መርሲሳይድ መርመራ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ጋንታኡ ምስ ኤቨርተን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም 1 ብ 0 ተሳዒራ ካብ ሜዳ ኣብ ዝወጽኣሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሓንቲ ቴለፎን ክሕምሽሽ እንከሎ ይርአ።

እቲ ወዲ 37 ዓመት ሮናልዶ ድሒሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ፖሊስ መርሲሳይድ ብቐዳም ኣብ ጉዲሰን ፓርክ ከምዝተፈጸመ "ዝተገለጸ ጥቕዓት" መርመራ ይገብር ምህላው ገሊጹ።

ኣፈኛ ፖሊስ ከምዝሓበሮ፡ ምስ ክለባት ማንቸስተር ዩናይትድን ኤቨርተንን ብምትሕብባር ይሰርሑ ኣለው።

"እቶም ተጻወትቲ ሰዓት 2፡30 ካብ ሜዳ ይወጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ፡ ሓደ ቘልዓ ብሓደ ካብቶም ተጻወትቲ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ" ኢሉ።

ፖሊስ፡ ብካሜራ ንዝተቐድሐ ምስሊ ይምርምርን ብዙሓት መሰኻኽር ዓይኒ የዘራርብን ከምዘሎ'ውን ጠቒሱ።

ማንቸስተር ዩናይት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ሓበሬታ ከም ዝበጽሓን ምስ ፖሊስ ንምትሕብባር ድልውቲ ምህላዋን ገሊጻ።

ማንቸስተር ኣብቲ ግጥም ዝወረዳ ስዕረት፡ ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይ ምሕላፍ ተስፋኣ ኣጸልሚትዎ እዩ።

ሮናልዶ ኣብቲ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ኣብ ከምዚ ዝገጠመና ከቢድ ኵነታት፡ ስምዒታትካ ምቁጽጻር ቀሊል ኣይኮነን፣ እንተኾነ ወትሩ ንሰባት ክነኽብር፡ ዕጕሳትን ነቶም ብሉጽ ጸወታ ዘፍቅሩ መንእሰያት ኣብነታውያን ክንከውንን ይግባኣና" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን፡ "ስለቲ ዘርኣኽዎ ነድሪ ይቕሬታ እሓትት፣ እንተተኻኢሉ፡ ከም መርኣያ ስፖርታዊ ባህሪ፡ ነዚ ደጋፊ ኣብ ሜዳ ኦልድ ትራፎርድ [ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ] ናብ ዝካየድ ግጥም ክዕድሞ እደሊ" ኢሉ።