ባሎን ዲኦር፡ ልዮነል ሜሲ ንሻውዓይ ግዚኡ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ኮይኑ

ልዮነል ሜሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ፈረንሳዊት ክለብ ፓሪስ ሰይንት ጀርመንን ዝኾነ ልዮነል ሜሲ ዝበለጸ ተዓዋታይ ዓመተ 2021 ተባሂሉ ድሕሪ ምርቁሑ ብድምር ሸውዓተ ግዜ ነዚ ሽልማት ብምብቕዑ ክብረ ወሰን ሒዙ።

ወዲ 34 ዓመት ልዮነል ሜሲ፡ ንሃገሩ ተዓዋቲት ዋንጫ ኮፓ ኣመሪካ ንኽትከውን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዓመተ 2021፡ 40 ሽቶታት ከመዝግብ ክኢሉ፤ 28 ኣብ ባርሲሎና፡ 4 ኣብ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይ ከምኡ'ውን 8 ምስ ሃገራዊ ጋንታታት ኣርጀንቲና ኮይኑ ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ፖላንድን ክለብ ባየር ሙኒኽን ሮበርት ለዋንዶዊስኪ ንሜሲ ተኸቲሉ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ፡ ኣከፋፋሊ ሃገራዊት ጋንታ ጥልያንን ክለብ ቸልስን ጆርጂንሆ ሳልሳይ፡ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳን ርያል ማድሪድን ካሪም ቤንዚማ ኸኣ ራብዓይ ብምዃን ዝበለጹ ተጻወትቲ ዓመተ 2021 ተባሂሎም።

ኣርጀንቲናዊ ልዮነል ሜሲ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ብምዃን ተዓዋቲ ኮፓ ኣመሪካ ክኸውን ክኢሉ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣርጀንቲናዊ ልዮነል ሜሲ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ብምዃን ተዓዋቲ ኮፓ ኣመሪካ ክኸውን ክኢሉ'ዩ

ባሎን ዲኦር ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ 180 ጋዜጠኛታት ብዝህብዎ ድምጺ'ዩ እቲ ሽልማት ዝውሃብ።

ኣብ ዓመተ 2020 ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዚ ሽልማት ከይተወሃበ እዩ ሓሊፉ።

ካብ 2008 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብጀካ እታ ኣብ 2018 ክሮሽኣዊ ኣከፋፋሊ ሉካ ሞድሪች ዝተዓወታ፡ ሜሲን ክሪስትያኖ ሮናልዶን'ዮም ነቲ ሽልማት ክመናጠልሉ ጸኒሖም።

ብሓፈሻ ኸኣ ክርስትያኖ ሮናልዶ ሓሙሽተ ግዜ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ክኢሉ እዩ።

ኣርጀንቲናዊ ልዮነል ሜሲ፡ ኣብ 2009, 2010, 2011, 2012, 2015 ከምኡ'ውን ኣብ 2019 ነዚ ውድድር ብምዕዋት ካብ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብሓንቲ ጸብለል ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስዛ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማቱ ኣጸቢቑ ማሕዲግሉ ኣሎ።