'ፋሉል ጠባይ' ዘርኣያ ክልተ ተሳፈርቲ ነፋሪት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላር ተቐጺዐን

ነፋሪት መንግዲ ኣየር ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልተ ኣብ መንገዲ ኣየር ኣሜሪካን መንግዲ ኣየር ደልታን ተሳፊረን ዝነበራ ገያሾ 'ፋሉል ጠባይ' ብምርኣየን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ተፈሪዱ ዘይፈልጥ መጠን መቕጻዕቲ ከምዝተበየነን ተገሊጹ።

መንግዲ ኣየር ኣመሪካ፡ ካብ ፈለማ 2021 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ነፈርቲ ዝርአ ዕግርግር ከምዝወሰኸ ብምግላጽ፡ ዝበዝሑ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣይንገብርን ኢና ኢሎም ዘዕግርግሩ ገያሾ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ እተን 'ፋሉል ጠባይ' ኣርእየን ተባለን ዝተኸሰሳ ዝተበየነ ፍርዲ: ዋና ጽሓፊ መጓዓዝያ ኣመሪካ ፒተ ቡቲጌግ'ዩ ብዓርቢ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

"ኣብ ውሽጢ ነፋሪት እንተሃሊኹም፡ ፋሉል ብምዃን ንድሕነት ተሳፈርትን ኣባላት በረራን ኣብ ሓደጋ ኣይተእትዉ" ዝበለ ፒተ ብምስዓብ "ነዚ እንተጢሒስኩም ግን ክትቅጽዑ ግድን'ዩ" ኢሉ።

ኣቲ ሓደ ኣጋጣሚ ሓንቲ ብመንግዲ ኣየር ኣሜሪካ ካብ ቴክሳስ ናብ ሰሜን ካሮላይና ትጓዓዝ ዝነበረት ገያሺት ንሓንቲ ካብ ኣባላት በረራ ስለዘፈራርሓታን ዝሃረመታን 81,950 ዶላር መቅጻዕቲ ተበይንዋ።

እታ ኣባል በረራ፡ ነታ ኣብ ጥቃ ማዕጾ ዝወደቀት ሽማ ዘይተገለጸ ገያሺት ከተልዕላ ኢዳ ወስ ኣብ ዝበለትሉ፡ ነታ ኣባል በረራ ብምድፋእ ነቲ ማዕጾ ናይ ነፋሪት ክትከፍቶ ከምዝፈተነት እዩ ተገሊጹ።

ብዘይካ እዚ ነታ ማዕጾ ከይትኸፍቶ ትጋደላ ዝነበት ኣባል በረራ ኣብ ርእሳ ከምዝሃረመታ'ውን ተሓቢሩ።

እቶም ተሳፈርትን ኣባልት በረራን ተሓጋጊዞም ኢዳ ምስ ኣሰርዋ'ውን "ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት በረራ ጡፍ ብምባል ብእግራ ንዕኦምን ንኻልኦት ተሳፈርትን ሃሪማቶም" ይብል መግለጺ ክፍሊ ኣቭየሽን ኣሜሪካ።

እታ ካልእ መቕጻዕቲ ዝተበየና ተሳፋሪት ኸኣ ብመንገዲ ኣየር ደልታ ካብ ላስ ቬጋስ ናብ ኣትላንታ ትጉዓዝ ዝነበረት እያ።

"ኣብ ጥቃኣ ንዝነበረ ተጓዓዛይ ብሓይሊ ሰዒማ፡ ናብ ማዕጾ ብምኻድ ነቲ ማዕጾ ናይ ነፋሪት ክትከፍቶ ፈቲና፡ ኣብ ቦትኣ ኮፍ ምባል ብምእባይ ንሓያሎ ተሳፈርቲ ደጋጊማ ሃሪማቶም" ይብል እቲ ክሲ።

እታ ስማ ዘይተገለጸት ተሳፋሪት ደሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ብሓይሊ ኣባላት በረራን ገለ ተጓዓዝትን ኮፍ ከምእትብል ከምዝገበረትን "በቲ ዘርኣየቶ ፋሉል ጠባይ" 77,272 ዶላር ክትቅጻዕ ከምዝተበየነና ተገሊጹ።

ክልቲኡ ክስተታ ምስ 'መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባርን ዘይምግባርን' ዘራኽብ ከምዘይብሉ'ውን ተሓቢሩ።

ኣብ ታሪክ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ብዘርኣይዎ ሕማቕ ጠባይ ክንድዚ መጠኑ ሰልዲ ተቐጺዖም ዝፈልጡ ገያሾ የለዉን።

ዋና ጽሓፊ መጓዓዝያ ኣመሪካ ፒተ ቡቲጌግ፡ ተሳፈርቲ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይግበሩዶ ኣይግበሩ ዝብል ዛዕባ 18 ሚያዝያ ውሳነ ክውሃበሉ ምዃኑ ሓቢሩ።