ሓንቲ ነፋሪት ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ጠፊኣ

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ዓዲ እንግሊዝ ትበርር ዝነበረት ንኡሽቶ ነፋሪት ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ጠፊኣ።

እታ ፒኤ-28 ዝተባህለት ነፋሪት ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዌልስበርን ናብ ሌ ቶኬ ዝተባህለት ከተማ ፈረንሳ ኣብ እትጉዓዘሉ ዝነበረ እዋን እያ ጠፊኣ።

ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ፈረንሳ እታ ነፋሪት ክልተ ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ከም ዝነበረት ብምግላጽ “ምጥፍኣ ከም ዘተሓሳሰቦም” ሓቢሮም።

ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ዝንቀሳቐሱ መርከበኛታት ስብርባር እታ ነፋሪት እንተረኸቡ ክእልሹ ዝተዋፈሩ ኮይኖም፡ እቲ ኣለሻ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ክውዕል’ዩ።

ኣብቲ ትማሊ ክካየድ ዝወዓለ ኣለሻ ክልተ ነፈርቲ ፈረንሳን ሓንቲ ጃልባን ከምኡ’ውን ነፋሪት ብሪጣኒያ ተዋፊረን እታ ዝጠፍአት ነፋሪት ዘላትሉ ቦታ ንምፍላጥ ጻዕሪ ክገብራ ውዒለን።

መግለጺ ቪድዮ, ጓል 14 ዓመት ኣብራሪት ነፋሪት!