ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ውሽጢ ናብ ኣሜሪካ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ዝሓረሰት ነብሰጾር

ምንጪ ስእሊ, Nancy Adobea Anane
ጋናዊት ነብሰጾር ካብ ሃገራ ተበጊሳ ናብ ኣሜሪካ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት፡ ብስንባደን ጣቕዒት ተጓዓዝትን ተዓጂባ ከምዝሓረሰት ተገሊጹ።
እታ ብ29 ጥሪ ካብ ጋና ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረ ነዊሕ በረራ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ዝተገላገለት ኣደ ነቲ ቦኽሪ ውላዳ ጂጂ ዝብል ስም ዘውጽኣትሉ ኮይና መዓልቱ ከይኣኸለ ከምዝተወለደ ተሓቢሩ።
ኣብታ ነፋሪት ዝጓዓዝ ዝነበረ ጋናዊ ዶክተር ድማ ነታ ነብሰጾት ኣደ ብሰላም ክትሓርስ ሞያዊ ሓገዝ ከምዝገበረላ ተፈሊጡ።
እታ ጋናዊት ነብሰጾት ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ለካቲት ክትሓርስ ትጽቢት ይግበር ከምዝነበረ ካብ ምስክር ዓይኒ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ናንሲ ኣዶቢያ ኣናኔ ዝተብሃለት ጋዜጠኛ ኣብታ ካብ ዋና ከተማ ጋና ዝኾነት ኣክራ ዝተበገሰት ነፋሪት ነይራ’ያ። ንቢቢሲ - ፒጂን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ፈለማ ካብ ክፍሊ በረራ ሓጺር መግለጺ ክወሃብ ከሎ ኣብ ሞንጎ ገያሾ ቁሩብ ደንገርደግ ኣኸቲሉ ምንባሩ ኣረዲኣ።
“እቲ ዝቐረብ ዝነበረ መተሓሳሰቢ ሓገዝ ክህብ ዝኽእል በዓልሞያ ሕክምና ኣብታ ነፋሪት እንተሃልዩ ዝጽውዕ ነይሩ። እንታይ ከምዝተፈጠረ ግን ኣይፈለጥናን” ኢላ ጋዜጠኛ ናንሲ።
ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ጉዳይ ድሕነት እቲ ህጻንን ኣዲኡን ከጨንቐኒ ጀሚሩ፤ ነፋሪትና ብሰንኪ እቲ ኩነታት ኣብ ቀረባ ናብ ዘሎ ቦታ ክትዓልብ ከምዝግበር’ውን እሓስብ ነይረ” ክትብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ።
ነቲ ጻውዒት ሓገዝ ዝተቐበለ ኣብ ኣሜሪካ ዝሰርሕ ዶክተር ስቴፈን ኣንሳህ-ኣዶ እታ ነብሰጾር ብሰላም ክትገላገል ብሞይኡ ሓጊዝዋ’ዩ።
“ኣነ፣ ሓንቲ ነርስን ኣሳሳይት በረራን ኮይንና ነታ ኣዶ ኣብቲ ዝነበረ መስርሕ [ሕርሲ] ሓጊዝናያ፤ ምልኩዕ ቆልዓ ድማ ወሊዳ” ክብል ርእይትኡ ሂቡ ዶክተር ስቴፈን ኣንሳህ-ኣዶ።
ጋዜጠኛ ናንሲ እቲ መስርሕ ሕርሲ 45 ደቓይቕ ከምዝወሰደ ከተዘንትው ከላ ዝስዕብ ትብል።
“እቲ ሕርሲ ቅልጡፍ ነይሩ። ካብ 30 ክሳብ 45 ደቓይቕ ወሲዱ። ብናይታ ኣደ ኣውያትን በቲ ልሙድ ናይ ህጻን ብኽያት ዝተዓጀበ ነይሩ” ክትብል ገሊጻቶ።
እታ ነፋሪት ናብ ዋሺንግተን ምስበጽሐት፡ ኣደን ወዳን ዝሓሸ ሓገዝ ሕክምና ንክረኽቡ ብዝብል ብሰብሞያ ጥዕና ከምዝተወሰዱ ተፈሊጡ’ሎ።
ነብሰጾራት ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ክወልዳ ዝተለመደ ኣይኮነን። ሓልሓሊፉ’ዩ ዝስማዕ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓንቲ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝነበረ በረራ ሕማም ሕርሲ ዝተትሓዘት ነብሰጾር ብካናዳዊ ዶክተር ተሓጊዛ ከምዝወለደት ይዝከር።
ገለ መንገዲ ኣየራት፡ 37 ሰሙናት ኣብ ዝመልኦ ጥንሲ፡ እቲ ናይ ምውላድ ሕማም ሕርሲ ከጋጥም ስለዝኽእል ክንድኡ ዝኣክል ግዜ ጥንሲ ዘቑጸራ ነብሰጾራት ከጓዓዛ ኣይፈቕዱን።
ነብሰጾር ኮይንካ ዝግበር በረራ ንነብሰጾር ኣዴታት ዝጎድእ ከምዘይኮነ ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዩናይትድ ኪንግደም የረድእ። ዝኾነ ዓይነት ጸገማት ጥዕና ወይ ምስ ጥንሲ ዝተሓሓዝ ጸገማት እንተሃልዩ ግን ቅድሚ በረራ ምስ መዋልዳን ወይ ዶክተር ምዝርራብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይሕብር።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







