ጠንቆልቲ ተባሂለን ንዝተቐትላ 700 ደቂ ኣንስትዮ ምሕረት ተገይሩለን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ስፔይን ካታሎኒያ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት “ጠንቆልቲ” ብዝብል ገበን ዝተቐተላ ልዕሊ 700 ደቂኣንስትዮ ምሕረት ከምዝተገበረለን ተገሊጹ።
ፓርላማ ክልል ካታላን ነተን ካብ መበል 15 ክሳብ 18 ክፍለዘመን ገበን ጥንቆላ ፈጺመን ብዝብል ክሲ ዝተቐተላ ደቂኣንስትዮ ብወግዒ ምሕረት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብቶም እዋናት ልዕሊ 700 ደቂኣንስትዮ ብጥንቆላ ገበነኛታት ኮይነን ተረኺበን ብዝብል ብዘስካሕኽሕ ከምዝተቐተላ ዝዘከሩ ኣባላት እቲ ፓርላማ፡ ነቲ ናይ ምሕረት ውሳነ ዘሕለፉሉ ምኽንያት ድማ ታሪኽ ናይተን ግዳያት ብሰናይ መልክዑ ንምዝካር ብዝብል ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ተመራመርቲ ታሪኽ ስፐይን፡ ግዝኣት ካታሎኒያ “ጠንቆልቲ” ንዝብሃላ ደቂኣንስትዮ ብምህዳን ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ቅድሚት ከምእትስራዕ ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጽና ይብሉ።
ግዝኣት ካታሎን እተን ብጥንቆላ ዝኽሰሳ ደቂኣንስትዮ ብዝለዓለ ብዝሒ ቅጽዓት ሞት ካብ ሞንጎ ዝተፈጸመለን ከባብታት ከምዝኾነት’ውን ይዝረብ።
“ካብ 15 ክሳብ 18 ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ ሞንጎ ናይ ዝተጓነያ፣ ዝተሳቐያን ብግፍዒ ዝተቐተላን ልዕሊ 700 ደቂኣንስትዮ ኣስማት ኣብ ቀረባ እዋን ረኺብና ኣለና” ክብሉ እቶም ነቲ ውሳነ ዘሕለፉ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ኣፍሊጦም።
እተን ብገበን “ጥንቆላ” ዝተኸሰሳ ደቂኣንስትዮ ኣብ ህጻናት ንዘጋጥም ሃንደበታዊ ሞት ከምኡ’ውን መጠን ፍርያት (ምህርቲ) ኣብ ዝንክየሉ እዋን፡ በቲ ኹነታት ተሓተትቲ ይኾና ምንባረን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባርሴሎና፡ ፕሮፌሰር ዘመናዊ ታሪኽ ፓው ካስቴል ይዛረቡ።
እተን ደገፍቲ ናጽነትን ጉጅለ የማናይ ክንፊን ዝኾና ደቂኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ “ንጾታዊ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ እዩ በጺሕወን” ብምባል፡ ብስም እተን ግዳያት ጎደናታት ብምስያም ክዝከራን ብሰናይ ስም ክኽበራን ሓቲተን።
ኣብ ምሉእ ኣውሮጳ ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ብጥንቆላ ተኸሲሶም ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝተፈረዶም ይእመን።
ኣብ ስኮትላንድ፣ ስዊዘርላንድን ኖርወይን እውን ተመሳሰልቲ ስጉምትታት ከምዝተወሰዱ ይግለጽ።
“ቀደም ‘ጠንቆልቲ’ እናበሉ ይጽውዑና ነይሮም። ሎሚ ድማ ‘ፌሚናዚስ’ ወይ ብወሲባዊ ርክብ ዝተቖጥዓ እናበሉ ይጽውዑና። ቀደም ‘ጠንቆልቲ ኢና ንሃድን' እናበሉ ይቐትሉና ነይሮም። ኣብዚ እዋን ከኣ ጓልኣንስተይቲ ናብ ምቕታል ‘ፊምሳይድ’ ተቐይሩ’ሎ” ክትብል ምኽትል ናይቲ ኣብ ግዝኣት ካታላን ዝርከብ ገዛኢ ሰልፊ ‘ኢ ኣር ሲ’ [ERC] ጄን ዲያዝ ንማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪባ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







