ኣብ ታንዛንያ፡ ምስ ሞት ቆልዑ ዝተተሓሓዘ 65 ጠንቆልቲ ተኣሲሮም

ሕማም ለምጺ ዘለዋ ቖልዓ

ምንጪ ስእሊ, Barcroft Media/Getty Images

ፖሊስ ታንዛንያ ምስ ሞት 10 ቖልዑ ዝተሓሓዘ ጠንቆልቲ ምዃኖም ንዝጠርጠርዎም 65 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተው ሓቢሮም።

እቶም ቖልዑት ኣብ ጥሪ 2019 ከም ዝተቐትሉን፡ ክፍሊ ኣካላቶም ተቖሪጹ ከም ዝተወሰደን ተፈሊጡ።

ሓላፊ ፖሊስ ሲሞን ሲሮ፤ ነፍሰወከፍ ባህላዊ ሓኪም ፍቓድ ክሕዝ ኣዚዙ'ሎ።

ብተወሳኺ፡ ካልኦት ሃይማኖታዊ ትካላትን፡ ፕለቲከኛታትን ነዚ ዝግበር ዘሎ ንምግታእ ክተሓባበሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ጆምበ 10 ቖልዑት ከም ዝተቐትሉን፡ ካልኦት ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ቖልዑት'ውን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሱሙዩ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ጠፊኦም ከም ዘለው ይሕበር።

ሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ ቖልዑት ወዲ 5ተ ዓመት ከም ዝነበረን ካብ መጻኢ ሂወቱ ከም ዝተኾልፈን፡ ወለዱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብታ ሃገር፤ ኣካላት ናይ 'ኣልቢኖ' ንጥንቁልናን ስራይን ፍቱን እዩ ዝብል እምነት ስለዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ወገናት መጥቃዕቲ ብቐጻሊ ከም ዝፍጸም ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣልቢኖ ብብዝሒ ኣብ ታንዛኒያ ከም ዝረኣን፡ ካብ 1,400 ታንዛናውያን እቲ ሓደ ሰብ 'ኣልቢኖ' ከምዝኾነን ወግዓውያን ጸብጻባት'ታ ሃገር የመልክቱ።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ግን፤ ካብ 20,000 ሽሕ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ብ 'ኣልቢኒዝም' ዝጽሎ።

ተጣበቕቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ድኽነት ነዚ ነገር ከምዘጋደዶን፡ ንገለ ክፋል ኣካላት ናይ 'ኣልቢኖ' ቆሪጽካ ኣብ ዕዳጋ ምስ ወረደ ብብዙሕ ገንዘብ ከም ዝሸየጥን ይዛረቡ።

ኣብ ታንዛንያን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ሓያለ ሰባት ክፍሊ ኣካላት ንመስዋእቲ ምቕራብ ሃብትን ጽቡቕ ዕድልን ከም ዘምጽእ ይኣምኑ።

እዞም 'ኣልቢኖ' ዝበሃሉ ሰባት፡ ኣካሎምን ጨጉሮምን ጻዕዳ እዩ። እዚ ድማ፤ ቆርበት፣ ጨጉርን ዓይንን፡ ብሕጽረት 'ሜላኒን' ሕብሪ ከይሃለዎም ምስዝተርፍ ዝፍጠር 'ጀነቲካዊ' ኩነታት እዩ።