ዩጋንዳ፡ ዝተቖረጸ ርእሲ ቆልዓ ሒዙ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ፓርላማ ዩጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዩጋንዳ፡ ሓደ ርእሲ ቆልዓ ሒዙ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ኣብ ኣፍደገ ፓርላማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ወዲ 22 ዓመት ጆሰፍ ኑዋሻባ፡ ብክፍሊ መርመራ ገበናት (CID) እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝርከብ።

እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ርእሲ ንምንታይ ከም ዝደለዮ ይኹን ካበይ ከምዘምጽኦ ብንጹር ኣይተፈልጠን ተባሂሉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ሓደ ቆልዓ ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ጠፊኡ ምንባሩን፡ ርእሲ ዘይብሉ ሬሳ ናይ ሓደ ቆልዓ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝተረኽበን ሰብመዚ ጸጥታ ሓቢሮም።

ሰለስቲኡ ፍጻመታት ዝተኣሳሰር እንተኾይኑ ንምፍላጥ መርመርቲ የጻርዩ ከም ዘለዉ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ካምፓላ ፔሸንስ ኣቱሃይረ ሓቢራ።

ኣብ 1990ታትን ድሕሪ 2000ን፡ ኣብታ ሃገር ምስ ማሪታዊ እምነታት ብዝተሓሓዝ ብዙሓት ቆልዑ ከም ዝተቕትሉ ይፍለጥ።

ዝተቖራረጸ ኣካላት ናይቶም ግዳያት ንዝተፈላለዩ ማሪታዊ እምነታት ይውዕል ምንባሩ ድማ ይግለጽ።