ርዋንዳ ኣንጻር መንሽሮ ማህጸን ኣብ ዝግበር ቃልሲ መሪሕ ተራ ትጻወት ኣላ

ኣንጀሊን ኡሳናሰ
መግለጺ ስእሊ, ኣንጀሊን ኡሳናሰ ቀልጢፋ ሕክምና ብምግባራ ሂወታ ክድህን ኪኢሉ

መንሽሮ ማህጸን፡ ኣብ ዓለም ንደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዘጥቅዑ ዓይነታት ናይቲ ሕማም ኣብ ራባዓይ ደረጃ ይስራዕ። ኣብ ኣፍሪቃ ግን፡ ካብ ካልእ ዞባታት ንላዕሊ፡ ኣዝዩ ቀታሊ ምዃኑ ይፍለጥ፡ ዋላ'ኳ ምክልኻሉ ዝከኣል እንተኾነ።

ኣብ ርዋንዳ ኣንጻር መንሽሮ ማህጸን ዝካየድ ዘሎ ኣብነታዊ ወፍሪ፡ ካልኦት ሃገራት ናይታ ኣህጉር ክስዕብኦ ጀሚረን ዘለዋ'ዩ።

ኣንጀሊን ኡሳናሰ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኪጋሊ እትነብር ኮይና፡ ኩነታት ጥዕናኣ ሃንደበት ዝተለወጠሉ መዓልቲ ኣይትርስዓን'ያ።

ሕዳር 2017 ነይሩ፡ ኣብ መታንታ ደም ዝራኣየትሉ መዓልቲ። ግን ልሙድ ደም ኣይነበረን። ጓል 67 ኡሳናሰ፡ ወርሓዊ ጽግያት ዝራኣየሉ ዕድመ ሓሊፋቶ'ያ፡ ስለዚ ዋላ ቁሩብ ደም ክትርኢ ትጽቢት ኣይነበራን።

"ኣብ ቀረባይ ናብ ዝነበረ ማእከል ጥዕና ምስ ከድኩ፡ እቶም ሓካይም፡ መርመራ መንሽሮ ማህጸን ከካይድ ኣዚዞም።"

"እቲ ውጽኢት ድማ፡ እወታዊ ኮይኑ። ኣዝየ ተደናጊረ። ክቕበሎ ኣይከኣልኩን- ዝመዉት'ዩ መሲሉኒ" ትብል።

ዕዉት ኣብነት

ቀልጢፋ ምልክታት ምርኣያን፡ ኣብ ግዚኡ ሕክምናዊ ክንክን ምርካባን ሂወታ ከም ዘድሓነ'ያ ወይዘሮ ኡሳናሰ ትዛረብ።

ኣብዛ ናይ ሎሚ ርዋንዳ እንተ ዝኸውን ግን፡ ብመሰረቱ'ውን በቲ ሕማም ኣይምተጠቕዐትን፡ ሳላ'ቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ክትባትን፡ ናይ መንሽሮ መርመራን።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ መንሽሮ ማህጸን፡ ኣብ ደቂ-ኣንስትዩ ካብ ዝራኣዩ ዓይነታት ናይቲ ሕማም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣዝዩ ቀታሊ ዝበሃል ዓይነት መንሽሮ ምዃኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ናይ መርመራ ምስሊ ኤች-ፒ-ቪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጠንቂ መንሽሮ ማህጸን ዝኾነ ኤች-ፒ-ቪ

ጠንቂ ናይቲ ኣብ ኩለን ግዳያት ዝረአ መንሽሮ ማህጸን 'ሂማን ፓፒሎማ ቫይረስ' (ኤች-ፒ-ቪ) ዝተባህለ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ህዋስ (ቫይረስ) እዩ።

ዋላ'ኳ ቁጽሪ ናይተን በቲ ሕማም ዝሞታ ደቂ ኣንስትዩ ዝለዓለ እንተኾነን፡ ኣድማዒ ክትባት እንተ ሃለወን፡ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ'የን፡ ስሩዕ ናይ ኤች-ፒ-ቪ ክትባት ዝህባ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ሰኔጋል ጥራይ'ያ፡ ነቲ ክትባት ትህብ፡ ከም በዓል ናይጀርያ ዝበላ ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ድማ፡ ናይ ፈተነ ፕሮግራማት የካይዳ።

እቲ ኩነታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓሸ'ዩ፡ ምኽንያቱ፡ ክትባት ኤች-ፒ-ቪ ኣብ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ኢትዮጵያን ርዋንዳን ስለዝወሃብ።

📝
Frequently asked questions
ብዛዕባ ኤች-ፒ-ቪ ክትፈልጥዎ ዝግባኣኩም
ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብዘን ሕቶታት ጠውቑ
ንምዃኑኸ ኤች-ፒ-ቪ (ሂማን ፓፒሎማ ቫይረስ) እንታይ ማለት'ዩ?
ክሕዘኒ ይኽእልዶ?
There is an Infographic showing the risk factors that are related to HPV such as sex, substance abuse, reproductive health, body composition, infections and puberty
ሓደገኛ ድዩ?
There is an infographic showing how HPV causes cancer. When HPV infection occurs, the virus may remain dormant or cause warts or damage DNA hence causing cancer
መንሽሮ ማህጸን ኣብ ከባቢየይ ክሳብ ክንደይ ቀታሊ'ዩ?
There is a map showing incidence and mortality rates in women around the world. It is noted that death rates of women in Africa are higher than anywhere else
መን'ዩ ቀንዲ ተጠቃዒ?
ደቂ ኣንስትዩ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተጠቃዕቲ እየን።

ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 000 ደቂ-ኣንስትዮ ብመንሽሮ ማህጸን ይጥቃዓ። ክሕከማ እንተ ዘይኪኢለን ድማ፡ ካብ 10 እተን 6 በቲ ሕማም ክሞታ ይኽእላ።

ትሑት ደረጃ ኣፍልጦን፡ ስእነት ግቡእ ኣገልግሎት ጥዕናን፡ ንትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ቀንዲ ኤች-ፒ-ቪ ዝራኣየሉ ዞባ ይገብሮ።
ገዛእርእሰይ ካብ ኤች-ፒ-ቪ ንምክልኻል እንታይ ክገብር እኽእል?
ምንጪ
Development: Purity Birir, Design: Millie Wachira, Animation: George Wafula, Research & Writing: Sheila Kimani, Anthony Makokha, Producer: Hugo Williams, Muthoni Muchiri & Millie Wachira.

ፍርሒ ጥንቆላ

ርዋንዳ፡ ለበዳ ኤች-ፒ-ቪ ንምውጋድን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ቀልጢፈን ሕክምና መንሽሮ ማህጸን ክረኽባ ንምትብባዕን፡ ኣብ 2011 ሓያል ወፍሪ ኣበጊሳ።

ዕላማ ናይቲ ውጥን፡ ኣዋልድ ቀልጢፈን ክኽተባ ንምግባርን፡ መርመራ ማህጸን ምስ ደቂ-ኣንስትዩ ንምፍላጥን እዩ ነይሩ።

ኣብታ ፈላሚት ዓመት ናይቲ መደብ፡ ርዋንዳ፡ ካብተን ነቲ ክትባት ክወስዳ ዝኽእላ 10 ዋልድ ነተን 9 ክትበጽሐን ምኽኣላ፡ ብኪኢላታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ ዓወት ክኸውን ኪኢሉ።

ይኹን እምበር፡ ጉዕዞ ርዋንዳ'ውን ሓጎጽጎጽ ዘይነበሮ ኣይኮነን።

ፈለማ ርዋንዳ ነቲ መደብ ከትጅምሮ እንከላ፡ ገለ ወገናት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ክቡር ስለዝኾነ፡ ኣይትኽእሎን'ያ ብዝብል፡ ኣቶኩሮኣ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ህጻናት ክትገብር ይምሕጸኑ ነይሮም።

መንግስቲ'ታ ሃገር ግን፡ ምስ ሓደ ዓለምለኻዊ መፍረዪ መድሃኒት ብምሽራኽ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ፡ ናጻ ክትባት ክወሃብ ጌሩ።

ኢትዮጵያዊት ቆልዓ ነቲ ክትባት እናተዋህባ

ምንጪ ስእሊ, Unicef

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያ እትርከበን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ክትባት ክህባ ጀሚረን ኣለዋ

ሓያሎ ዘይነዓቑ ባህላዊ ብድሆታት'ውን ክስገሩ ነይርዎም'ዩ።

"መንሽሮ ማህጸን ብጥንቆላ'ዩ ዝመሓላለፍ ኢለን ዝኣምናን፡ ንክሕከማ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ሓካይም ናብ ጠንቆልቲ ዝኸዳ ደቂ-ኣንስትዮ ክሳብ ሕጂ ኣለዋ" ትብል ኡሳናሰ።

ማህጸነን ከይእለ ዝሰግኣ ደቂ-ኣንስትዩ'ውን ኣይተሳእናን፡ ትብል ንሳ።

ክፍለጥ ዝግብኦ ግን፡ መጥባሕቲ ነተን ድሮ መንሽሮ ማህጸን ዘለወን ዝግበር እምበር፡ ንምክልኻሉ ተባሂሉ ዝካየድ ኣይኮነን።

"መንሽሮ ማህጸን፡ ካብቶም ኣብ ርዋንዳ ዝራኣዩ ቀንዲ ዓይነታት መንሽሮ'ዮም፡ ዝበዝሓ ደቂ-ኣንስትዩ ድማ፡ ደንጒየን'የን ናብ ሕክምና ዝመጻ" ይብል ዶ/ር ፍራንስዋ ኡዊንክዊንዲ፡ ኣብ ማእከል ባዮሜዲካል ርዋንዳ፡ ዳይረክተር ክፍሊ ምቁጽጻር መንሽሮ።

ብምትሕብባር፡ ልምዳውያን መራሕቲ፡ ኣብያተ-ክርስትያን፡ መራሕቲ ዓዲ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ኣብያተ-ትምህርቲን መራኸቢ ብዙሃንን፡ ነቲ ብዛዕባ'ቲ ክትባት ዘሎ ግጉይ ብሂላት ንምቅላስ መንግስቲ ዓቢ ናይ ጎስጓስ ወፍሪ ኣካዪዱ።

እቲ ክትባት፡ ነተን ኣዋልድ ኣብ ቤት ትምህርቲ'ዩ ዝወሃበን፡ ካብኡ ወጻኢ ንዘለዋ ድማ ኣብ ገዝአን ይወሃበን።

ሰብመዚ ጥዕና ድማ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ዘየቋርጽ ቀረብ ክትባት ከም ዝህሉ ክገብሩ ኪኢሎም።

እቲ ካብ ታሕቲ ዝጀመረ መደብ፡ ድሕሪ 8 ዓመት ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝወሃብ ስሩዕ ክትባታት ኮይኑ ይርከብ።

ዋላ'ኳ ነቲ ናይ ርዋንዳ መደብ ብንጹር ዘርኢ ማዕከን ሓበሬታ እንተ ዘየሎ፡ ኣብተን ተመሳሳሊ መደባት ዘተኣታተዋ ሃገራት፡ መጠን ለበዳ ኤች-ፒ-ቪ ኣብ መንእሰያት ቅልጡፍ ምጉዳል ኣርእዩ'ዩ።

ኣዋልድን ኣወዳትን ዘርኢ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ክትባት ኤች-ፒ-ቪ ኣብ ናኣሽቱ ቆልዑ ዝረአ ዝነበረ መንሽሮ ማህጸን ኣጒዲልዎ

ኣውስትራልያ፡ ኣብ 2007 ሓፈሻዊ ክትባት ከተካይድ ጀሚራ። መርመራ መንሽሮ ማህጸን ግን ካብ 1991 እያ ጀሚራቶ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ፡ ካብ 100 000 ሰባት ኣብ 7 ጥራይ እቲ ሕማም ይረአ። ኣብ 2020 ድማ ናብ 6 ጥራይ ክወርድ ትጽቢት ይግበር።

'ትሻዓተ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መዓልቲ ይሞታ'

ኢትዮጵያ እትርከበን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ኣሰር ርዋንዳ ክኽተላ ጀሚረን ኣለዋ።

ኣብ ጥሪ፡ መንግስቲ ኬንያ ምስ ዓለምለኻውያን መወልቲ ብምትህብባር፡ ከትባት ኤች-ፒ-ቪ ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝወሃብ ስሩዕ ክትባታት ክኸውን ኣዊጁ'ሎ።

ኣብ ዓመት፡ 800 000 ደቂ-ዓሰርተ ዓመት ኣዋልድ ንምኽታብ ወጢና'ላ።

"ኣብ ኬንያ፡ ትሻዓተ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መዓልቲ ይሞታ። እዚ [መደብ] ድማ ንናኣሽቱ ኣዋልድ ክትባት ብምሃብን፡ ንዓበይቲ ድማ መርመራ ብምግባርን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዝዓለመ'ዩ" ትብል ማርሊን ተመርማን፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ኣጋ ክሃን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ስነ-ማህጸን።

ይኹን እምበር፡ ገለ ወገናት ነቲ ክትባት ኣይኣምንዎን'ዮም፡ ዋላ'ኳ ውድብ ጥዕና ዓለም ውሕስነቱን ኣደማዕነቱን ዘረጋገጾ እንተኾነ፡ ዉሱን ጎድናዊ ሳዕቤን ብዘየገድስ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሓንቲ ቆልዓ ክትክተብ እናተዓዘበ

ምንጪ ስእሊ, PSCU

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሓንቲ ቆልዓ ክትክተብ እናተዓዘበ

"በቲ ዝስማዕ ፈሪሐ ንጓል ዓሰርተ ዓመት ጓለይ ኣይወሰድኩዋን። ደቅና ክለምሱ'ዮም ወይ ምርጋእ ደም ከጋጥሞም'ዩ ዝብል ወረ ኣሎ። ብዛባ'ቲ ክትባት ዝኾነ ኣስተምህሮ ኣይተዋህበናን" ትብል ቦንጀ ኣትማን፡ ኣብ ወዳባዊት ከተማ ሞምባሳ እትነብር ኣደ።

ማሕበር ካቶሊካውያን ሓካይም ኬንያ (KCDA)፡ ዝተባህለ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ብወገኑ፡ ንናኣሽቱ ኣዋልድ ክወሃብ የብሉን ብዝብል፡ ህዝቢ ነቲ ክትባት ክሕሰሞ ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ክንድኡ፡ ንለበዳ ኤች-ፒ-ቪ ንምክልኻል፡ ስጋዊ ርክብ ምሕራምን፡ ምስ መጻምድኻ ምጽናዕን የድሊ ክብል ይምጉት።

ርዋንዳ ግን፡ በቲ ዘመዝገበቶ ዓወት ከይዓገበት፡ መንሽሮ ማህጸን ጠቕሊሉ ክውገድ ጻዕርታታ ኣበሪኻቶ'ላ።