መንሽሮ ኣብ ሰኔጋል፡''ሕክምና መንሽሮ ንምግባር ዝነበረኒ ኩሉ ሸይጠ''

ኣዋ ፍሎረንስ
መግለጺ ስእሊ, ''ዝተረፈኒ ነገር የብለይን። በዓል ገዛይ 'ውን ሞይቱ እዩ፤ ንተወሳኺ መርመራ ዝኸውን ገንዘብ የብለይን።''

'' ብጣዕሚ ክቡር እዩ። እዚ ክጅምር ከለኹ ዝነበረኒ ኩሉ ክሸይጥ ተገዲደ'' ትብል ብሕማም ካንሰር ዝተጠቕዐት ኣዋ ፎሎረንስ።

''ዝተረፈኒ ነገር የብለይን። በዓል ገዛይ 'ውን ሞይቱ እዩ፤ ንተወሳኺ መርመራ ዝኸውን ገንዘብ የብለይን" ክትብል'ውን ትዛረብ።

እዛ ነባሪት ርእሰ ከተማ ሰኔጋል፡ ዳካር፡ ዝኾነት ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕክምና መንሽሮ ማህጸን ገይራ ነይራ።

መንሽሮ ኣብ ኣፍሪካ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጸገም ጥዕና ኮይኑ፤ ሰኔጋል ድማ ኣብ ሆስፒታላት መንግስቲ ዝግበር ሕክምና ጨረር (ኬሞቴራፒ) ብምድጓም ኣገልግሎት ሕክምና ንምምሕያሽ እትፍትን ዘላ ሃገር እያ።

መንግስቲ ብናይጡብን ካልእ ዓይነት መንሽሮ ንዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮ መድሓኒት ብነጻ ከምዝህብን፡ ዋጋ መድሓኒታት ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ድማ ክሳብ 60 ምኢታዊት ከምዝንክን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ገለ ንጎናዊ ሳዕቤናት ሕክምና ጨረር ዝሕክሙ መድሓኒታት'ውን ክሽፍን ምዃኑ ዳይረክተር ሆስፒታላት መንግስቲ ካዲ ምባየ ሲላ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ካንሰር ብዙሕ ግዘ ክንዮ ጨረር ዝተሓላለኸ ሕክምና ዝጠልብ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ሕክምና ዝወጽእ ዋጋ ክቡር ክኸውን ገይሩ እዩ።

'' ሓዱሽ ጎማ ከም ምግዛእ እዩ። መኪናኻ ንኽትንቀሳቐስ ብተወሳኺ ነዳዲ፣ መገድን መዘወሪ ፍቓድን የድልየካ'' ይብል ዳይረክተር ምንቅስቓስ ዓለማዊ ጥዕና ጡብ ዶክተር ቤን ኣንደርሰን።

ኣዋ ፍሎረንስ
መግለጺ ስእሊ, ኣዋ ፍሎረንስ

ናይጡብን ካልእ ዓይነት መንሽሮን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ እቶም ቀንዲ ሞት ዝኾኑ ዓይነታት ሕማም እዮም።

እንተኾነ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ እዩ ምክልኻልን ምቁጽጻርን እዞም ሕማማት ጉዳይ ማሕበራዊ ጥዕና ተገይሮም ክውሰዱ ጀሚሮም።

ኣብ ገለ ሃገራት ዝላብዑ ዘይተላገብቲ ሕማማት ብሚልዮን ንዝቑጸሩ ሰባት ናብ ድኽነት ከምዘቃልዕዎም ውድብ ጥዕና ኣለም ኣብ 2011 ኣ.ኣ ገሊጹ ነይሩ።

ዝርገሐ መንሽሮ ኣብ ሰኔጋል

  • ዝተለመደ ዓይነት መንሽሮ፡ ናይ ማህጸን (17̇.8%)፡ ጡብ (16.7%)፡ ፐሮስቴት(9.1%)፡ ከብዲ (5.2%)
  • ኣብ 2018 ዝተመዝገቡ ሓደሽቲ ረኽሲታት መንሽሮ፡ 10549 ካብ 16 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ
  • ኣብ 2018 ብሕማም መንሽሮ ዝተመዝገበ በዝሒ ሞት፡ 7581

ክሳብ ቀረባ እዋናት ሓለዋ ጥዕና ኣደታት ኣፍሪቃ ኣብ ግዘ ዘይህቡ ሕማማት፣ ተመሓላለፍትን ምስ ጥንሲ ተተሓሒዞም ኣብ ዝመጹ ሕማማትን ዘተኮሩ እዮም ነይሮም።

ብምኽንያት ድኹም ኣመጋግባ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፣ ምጥቃም እጽን ትምባኮን ሸከም መንሽሮ ኣብቲ ኣህጉር እናዓበየ መጺኡ።

መንሽሮ ካብ ምርመራ ጀሚሩ ክሳብ ሕክምንኡ ድጎማ ክግበረሉ ከምዘለዎ ኣብ ዳካር-ሰኔጋል ካብ ዝርከቡ ውሑዳት ሰብ ሞያ ሓደ ዝኮነ ዶክተር ማማዱ ድዮፕ ይገልጹ።

ውጽኢት ምርመራ ፍሎረንስ

ኣብ ሰኔጋል ሕክምና ጨረር ከባቢ 250 ዶላር፡ መጥባሕቲ ድማ 330 ዶላር ይውድእ። እዚ ከኣ እቲ ሕሙም ክሳብ 1600 ዶላር ዝሓትት ምርመራታት ምስ ኣካየደ እዩ።

ከም ፍሎረንስ ንዝኣመሰላ ብወርሒ ካብ 80 ዶላር ዘይበልጽ ኣታዊ ዘለወን ኣዝዩ ክባር እዩ።

እቲ ሓዱሽ ኣካይዳ ግን ከምኣ ንዝበላ ክሕግዝ ከምዝኽእል ፍሎረንስ ትገልጽ። እንተኾነ ክብደት እቲ መስርሕ ህጹጽ መድሓኒት ምስ ዘድሊ ከመይ ከምዝግበር ሰለዘይትፈልጥ ገለ ስክፍታታት ኣለዋ።

ሕጽረት ሓበሬታ

''መጀመርያ ነቲ ክፍሊት ምስ ረአይኹዎ ምብካይ ጀሚረ። ክኸፍል ዓቅሚ ከምዘይብለይ ነቲ ዶክተር ነጊረዮ'' እትብል ፍሎረንስ፡ ክሕግዝዋ ምስዝኽእሉ ኣብ ምክልኻል መንሽሮ ዝሰርሑ ትካላት ከምዘራኸባ ትዛረብ።

''ሕክምና ጨረር ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ነቲ ሕክምና ደጊመ ከምዘይወስዶ ክነግረኒ ይመርጽ። ጎናዊ ሳዕቤኑ ስቓይ ኣለዎ፤ ጽቡቕ መግቢን ፍረታትን ክትምገብ ኣለካ፤ ነዚኦም እትረኽበሉ መገዲ እንተዘይ ሃልዩ ግን ከቢድ እዩ'' ትብል።

ኣባላት ምክልኻል ሕማም መንሽሮ ሰኔጋል

መንግስቲ ሰኔጋል ከምዚ ይበል እምበር፡ በቲ ሕማም ዝተጠቕዓን እቲ ሕማም ከምዘለዎም ከይፈለጡ ብዙሕ ዝሳቐዩን ሰባት ኣብታ ሃገር ከምዘለዉ ዶክተር ድኦፕ ይዛረብ።

ብሓፈሻ ኣብ ድኻታት ሃገር ዘሎ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ካብ መንሽሮ ናይ ምድሓን መጠን፡ ካብ 10 ክሳብ 20 ምኢታዊት እንትኾን ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ግን ካብ 80 ክሳብ 90 ምኢታዊት ከምዝበጽሕ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ድማ

  • ሕጽረት ሓበሬታ ብዛዕባ ብኣጋ ዝረኣዩ ምልክታት ሕማም መንሽሮ
  • ሕጽረት ሕክምና ወይ ዝተጋገየ ሕክምና
  • ካብ ማእከላት ሕክምና ዘሎ ርሕቐት
  • ልዑል ዋጋ ሕክምናን መድሓኒትን ገሊኦም እዮም

እንተኾነ እቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ቀንዲ ጸገም፡ ኣብ ምግፋሕ መንሽሮ ትኽክለኛ ሓበሬታ ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ድማ ሓንፈጽቲ ፖሊሲ ክፍትሹን መፍትሒ ክውስዱን ኣጸጊሙሎም እዩ።

ሲሶ ረኽሲታት ካንሰር፡ እቶም ቀንዲ መንቀሊ ዝኾኑ ነገራት ብምትራፍ ክንከላኸሎም ከምእንኽእል ዶክተር ባራንጎ ይገልጽ።

መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪካ ትምባኾ ንምክልኻል ዘኽእሉ ውጥናት ብምውጻእ መንሽሮ ንምክልኻል ስጉምቲታት ጀሚረን ከምዘለዋ ዝገልጽ ዶክተር ባራንጎ፡ ሕማማት መንሽሮ ማህጸን ንምክልኻል ዘኽእሉ ናይ ምምያ ስራሕቲ ይካየዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪካ ልሙድ ዝኾነ ሕማም መንሽሮ ማህጸን፡ ብኽታበትን ምመያን ምክልኻል ከምዝከኣል ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ቦትስዋና፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ዚምባብወ፣ ሰኔጋልን ማላዊን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ክታበት ኤችፒቪ ዘተኣታተዋ ሃገራት እየን።

እቲ ዝበዝሕ ገንዘብ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር፣ ሰባት ፈለምቲ ምልክታት ሕማም መንሽሮ ክርድኡ ኣብ ምግባርን ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣመጋግባ ክህልዎም ኣብ ምምሃርን እንተዝውዕል፡ ብዙሕ ህይወት ምድሓን ከምዝከኣል ሰብሞያ ይዛረቡ።