ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ኖርወይ ወዲቓ ኣርባዕቲኦም ተሳፈርታ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ወተሃደራዊት ነፋሪት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ኖርወይ ብምሕምሻሻ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኣርባዕተ ተሳፈርቲ ሞይቶም።
እታ MV-22B ዝዓይነታ ወተሃደራዊት ተፋሪት ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኣባላት ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ዘካየደኦ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክትሳተፍ ድሕሪ ምጽናሕ'ያ ብዓርቢ ኣብ ኖርወያ ወዲቓ ተሓምሺሻ።
እታ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኖርወይ ደቡብ ካብ ከተማ ቦዶ ዝወደቐት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር፡ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ክትዓልብ ስለ ዘይክኣለት'ያ ተሓምሺሻ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኖርወይ ኣብ በረድ ብዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ተሓጊዞም ቀዳም ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብቲ እታ ሄሊኮፕተር ዝወደቐትሉ ቦታ ክብጽሑ ክኢሎም።
ፖሊስ ናይቲ ዞባ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ምማቶም ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ድሕሪ ምባል እቶም ግዳያት ኩሎም ኣሜሪካውያን ምዃኖም ሓቢሩ።
ተወሳኺ ጠንቒ ምውዳቕ ናይታ ነፋሪት መርመራ ንምግባር ዝተጀመረ ፈተነ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ንግዚኡ ከም ዝተወንዘፈፈን ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ምስ ተመለሰ ዳግማይ ክጅምር ምዃኑን ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብቲ 'ኮልድ ሪስፖንስ' ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ኣብ ኖርወይ ክካየድ ዝቐነየ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ካብ 27 ኣባላት ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝተዋጽኡ ኣስታት 30 ሽሕ ወተሃገራት ተሳቲፎም።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







