ኣብ ጎማ ነፋሪት ተንጠልጢሉ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሆላንድ ብህይወቱ ዝኣተወ ውልቀሰብ

ጎማ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ኔዘርላንድስ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሳ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተወት ነፋሪት ጎማ ኣብ ዝሰፍረሉ ክፍሊ ተሓቢኡ ዝተጓዓዘ ውልቀ-ሰብ ብህይወት ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ናብ ከተማ ኣምስተርዳም - ኔዘርላንድስ ዝተገበረ በረራ ኣስታት 11 ሰዓታት’ዩ ዝወስድ።

ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበገሰት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ናብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝገበረቶ በረራ ሓደ ጊዜ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣዕሪፋ’ኳ እንተነበረት እቲ ዝተሓብአ ውልቀሰብ ግን ሽዑ’ውን ተሓቢኡ ምህላዉ ኣይተፈለጠን።

ኣብቲ ጎማ ነፋሪት ተዓጺፉ ዝኣትወሉ ክፍሊ ተሓቢኦም ክጓዓዙ ዝፍትኑ ሰባት፡ ብሰንኪ ዛሕሊን ሕጽረት ኦክስጂንን ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድሎም ዝተለመደ ኣይኮነን።

ዕድመ ናይቲ ወልቀሰብ ዛጊድ ከምዘይተነጸረ ፖሊስ ኣፍሊጡ’ሎ።

“እቲ ሰብ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ጎማ ነፋሪት ዝሰፍረሉ ክፍሊ እታ ነፋሪት’ዩ ብህይወት ተረኺቡ። ኣብዚ እዋን ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደ ኮይኑ ጥዕንኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ይርከብ” ኢላ ወሃቢት ቃል ወተሃደራዊት ፖሊስ ሮያል ደች ዝኾነት ጆኣን ሄልሞንስድ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ።

ወሲኻ ከኣ “እዚ ሰብ ክሳብ ሕዚ ብህይወት ምህላዉ ኣዝዩ ዘደንጹ’ዩ” ክትብል ተዛሪባ።

‘ኤን ኦ ኤስ’ ዝተባሃለት ማዕኸን ዜና ኔዘርላንስድ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን መጠን ዋዒ ሰብነቱ ወሲኹ ከምዝነበረ፣ ሽዑ ኣምቡላንስ ከምዝመጸትን ቀለልቲ ንዝኾኑ ሕቶታት መልሲ ክህብ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዝነበረን ኣመልኪታ’ላ።

ወሃቢቓል ናይቲ ጽዕነታት ዘመላልስ ‘ካርጉሎክስ’ ብዝብል ዝፍለጥ መንገዲ ኣየር ንሮይተርስ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብታ ነፋሪት ተሓቢኡ ከምዝተጓዓዘ ኣረጋጊጹ።